Saturday 22 April 2017

TG ONORHAM

Latest news

Eri-glass Tv- Advice- ቕድሚ ምስ ጋለንስተይቲ ዝምድና ምጅማርካ ክትገብሮም ዘሎካ 8 ነጥብታት.


1. ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዝምድና ቅድሚ ምጅማርካ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ፡ ዝምድና ምስ ጓል ማለት ብተራ ነገር እትመርሖ ወይ ኣፍኲስካ እትሕዞ ነገር ኣይኮነን::

2. ዝምድና ምስኣ ክትጅምር ቅሩብ ዲኻ፧ ብስምዒት፡ ብሓንጎል፡ ብእምነት በሲልካ ዲኻ፧ ንድልየታታ ከተማልእ ትኽእል ዲኻ፧


3. ንዓኣ ብስምዒት/sexually/ ምስሓብ ማለት፡ ወላ ሓንቲ ኣይኮነን። እዚ ምልክት ናይ ድልየት፡ ፍቕሪ ወይ ኣብ ሓንጎልካ ተቐሪጹ ዘሎ ካልእ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ህይወትካ ክትኣሳሰር ትምነዮን ትደልዮን ሕሉፍ ህይወት ኣለዋ፡ እዚ ክትገብሮ ትኽእል ዲኻ፧

4. እዛ ጓል ሕሉፍ ህይወት ኣለዋ፡ ክትቅበሎ ትኽእል ዲኻ፧ ጌጋታታ፡ ውድቀታን ድኻማታን ከተመሓድሮምን ክትኣልዮምን ዓቕሚ ኣለካ ድዩ፧ ንሕልምታታ ከተመሓድሮን ብጥንቃቐን ብዘይ ምቕናእን ተኸታቲልካ ክውን ክትገብሮ ትኽእል ዲኻ፧

5. ቅድሚ ምሳኻ ምርኻባ ይኽፋእ ይጸብቕ ዝሓለፈቶ ተመክሮ ህይወት ኣለዋ፡ ነዚ ነገር ትመጣጠኖ ዲኻ፧


6. ፍቕሪ መብጽዓ እዩ! ንዓኣን ንዕብየታን ከምቲ ንሳ ክትኮኖ ዘለዋ ንኽትከውን ትሕግዛ ዲኻ፧ ንነፍሳን ህይወታን መብጽዓ ትኣትወላ ዲኻ፧

7. እዛ ጓል ንዓኻ እኹል ክብሪ ዘለዋ ክሳብ ዝኾነት፡ ዝዓበየ ክፋል ህይወትካ ወፊኻ ንሕልማን ክእለታን ክውን ክትገብርን ዕውትቲ ክትከውንን ተኽእላ ዲኻ፧ ብዘለካ ኩሉ ጸጋታት ብምውናን ብዓል ቤታ ክትከውን ድልው እንተ ዘይኴንካ ኣይተሰልችዋ! ግዜኣ ኣይትብልዓላ! ብዕድላ ኣይትጻወት!

8. ቅድሚ “የፍቅረኪ እየ” ኢልካ ኣፍካ ምኽፋትካ፡ ንነፍስኻ “ብስምዒት ዕብዳን ከይከውን” ኢልካ ሕተታ። ጓል ካብ የፍቅረኪ እየ ንላዕሊ፡ ተግባራትካ እዩ ዘገድሳ፡፡ መብጽዓ ትደሊ እያ፡፡ መብጽዓታትካ ናብ መርዓ ዘየምርሕ እንተ ድኣ ኮይኑ ፡ በጃኻ ሰላማ ኣይትዝረጎ፡ ኣብ ሰላም ግደፋ! ዘለዋ ጸጋታት ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ናትካ ኣይተባኽን!
ምንጪ:- Elcrema

TG ONORHAM 

tgonorham

ኣብ ህይወትካ ኣቋራጭ መንገዲ ዝበሃል ከይትጥቀም ወይ ከይትወስድ~ሓቅኛ ዛንታ”እሙን ክኾነልኪ`የ”

ኣብ ሓደ ዓዲ ፣ሓንቲ ንእሽቶ ቃጽዖ መሬት ተማሲሖም ዝነበሩ ፣ ውሑድ ትሕዝቶ ዝነበሮም ኣብ ቀረባ ጊዜ ሓዳሮም ዝወጹ ሓደሽቲ መርዑ ነበሩ።
ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ፣ እቲ ሰብኣይ፣ ንሰበይቱ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ኣቕረበላ።
“ፍቕረይ፣ ኣነ ዓደይን ገዛይን ገዲፈ፣ ናብ ስራሕ ዝርከቦ ስፍራ፣ ኣርሒቐ ክጓዓዝ’የ። ኣበርቲዐ ሰሪሐ ገንዘብ ኣጣራናቒበ ፣ መታን ኣብ’ቲ ክትነብርዮ ዝግባኣኪ፣ ዝማእመአን ዝመችኤን ገጻት ህይወት ክትነብርለይ፣ ሻዓ ቢለ ናባኺ ክምለስ’የ።
FB_IMG_1486678427866[1]
ንክንደይ ዝኣክል ጊዜያት ኣብኡ ከምጽንሕ ኣይፈለጥኩን፣ የግዳስ ሓንቲ ነገር ቃል ክትኣትውለይ ካባኺ ዝደልያ እንተላ” ክሳብ ዝመጽእ ብእምነትን ጽንዓትን ክትጽበይኒ ጥራሕ ኢያ። ኣነ እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ኩነት ልዕሊ ዝኾነ ኩነት”እሙን ክኾነልኪ’የ”። በላ።
እታ መርዓቱ በቲ ዝበሎ ምስ ተሰማምዐት፣ ስንቁ ቋጺሩ፣ ጉዕዞ ፈለሞ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ መዓልታት ጉዕዞ፣ ኣብ መንገዲ ሓደ ሓጋዚ ዘናዲ ሓረስታይ ተጓነፎ። ሓገዙ ድማ ለገሰሉ። በዚ ኣቢሉ ድማ ምስኡ ንክሰርሕ ናይ ጊዜን ገንዘብን ስምምዕ ጀመሩ።
FB_IMG_1486678526209[1]
ከምዚ ውን በሎ ” ስማዕ! ኣነ ክሳብ ይኣኽለኒ ናብ ገዛይ ክምለስ ፣ቢለ ክሳብ ዝውስን ምሳኻ ክሰርሕ ኢየ። ክዓይዮ ዘሎኒ ሓብረኒ ድኣ እምበር ፣ ክሳብ እታ ናብ ዓደይ ክምለስ ዝውስነላ መዓልቲ ፣ መሃያ ኣይሓተካን ኢየ።
ክሳብ ሽዑ ምሳኻ ይጽናሕ፣ ኣቐምጠለይ። ንገዛይ ክምለስ ምስ ወሰንኩ፣ ገንዘበይ እርይ ቁጽር ቢልካ ተረክበኒ”፣በሎ።
ከምዚ ኢሊ ድማ ብዘይ ገለ ዕረፍቲ ን20 ዓመታት ዝኣክል ሰርሐ።ድሕሪ 20 ዓመታት ፣ናብቲ ሓለቕኡ ብምዃድ ፣” ጎይታይ! ሕጂ ንገዛይ ክምለስ ስለዝደለኹ፣ ገንዘበይ ክትህበኒ’የ እኖኹ መጺኤ፣” በሎ።እቲ ሓለቓኡ ፣ ” ብጣዕሚ ጽቡቕ ፣ ስምምዕና መሰረት ብምግባር ፣ ናብ ዘብሎ የብለይን ክህበካ ኢየ”።
የግዳስ፣ ቅድሚ ዝኣገረ ፣ ሓደ ሓድሽ ነገር ክልግሰልካ እፈቱ”።
“ብዘሎ ገንዘብካ ሂበ’ዶ ናብ ገዛኻ ከፋንወካ ትደሊ ወይስ 3ተ ጠቐምቲ ምኽርታ ሂበ ብሰላም ከፋንወካ”፧ ኣብዚኣ ክትርድኣ ዘለካ፣ ” ገንዘብ እንድሕር ሂበካ እተን ምኽርታት ክትከስረን ኢኻ። እተን ምኽርታት እንተሂበካ ድማ፣ ገንዘብ ኣይህበካን ኢየ። ስለዚ ሕጂ ናብ መደቀሲኻ ኪድ እሞ ሓሲብካን ወሲንካን ንገረኒ” በሎ።
እቲ መንእሰይ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ውረድ ደይብ፣ ውሳኔኡ ሒዙ ናብ እቲ ኣስራሒኡ ከይዱ፣ እቲ ዝወሰኖ ውሳኔ ነገሮ። ከምዚ ድማ በሎ” ንዓይስ እተን ሰለስተ ምኽርታት ድኣ ይሃቡኒ፣ ንሰን ይሕሻኒ”።
1 ኣብ ህይወትካ ኣቋራጭ መንገዲ ዝበሃል ከይትጥቀም ወይ ከይትወስድ። ኣቃራጭን ዘይትፈልጦ ጸቢብ መንገዲን ህይወትካ ክወስድ ይኽእል ኢዩ።
2, ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣመና ህዉኽ ኣይትኹን፣ ዘየምጽኣካ ነገር ውን ከይትገብር። ታህዋኽ ናብ ሞት ተብፅሕ ኢያ።
3, ኣብ እትሓርቀሉን እትቕንዘወሉን ኣጋጣሚ፣ ፈጺምካ ከይትውስን ተጠንቀቕ።! ሓሪቕካ ከለኻ ዝወሰንካዮን ዝገበርካዮን ፣ ዋላ እኳ እንተነሳሕካሉን ተጣዓስካሉን፣ ጊዜኡ ምስ ሓለፈ ስለዝኸውን ብዙሕ ጥቕሚ የብሉን።
እዘን ሰለስተ ምኽርታት ምስ ነገሮ፣ ኣስዒቡ ከምዚ በሎ።” እንሆ ሰለስተ ባኒ ንጉዕዞ ዝኾነካ ኣዳልየልካ ኣሎኹ፣ እተን ክልተ ኣብ ጊዜ ጉዕዞ መግቢ ክኾናካ፣ እታ ሳልሰይቲ ድማ በይና ፈልየልካ ኣሎኹ፣ ዓዲ ምስ ኣተኻ ፣ምስ በዓልቲ ቃል ኪዳንካ ኬንካ ትቋደሳ”።
ነዘነ ምኽርታት ሒዙ፣ ጉዕዞኡ ተተሓሓዞ ።ን 20 ዓመታት ዝኣክል ካብ ዓዱን ዓውዱን ካብታ ኣዝዩ ዘፍቕራ ብዓልቲ ቤቱን ዘመድ ቤተ ሰቡን ርሒቑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ናብ ዓዱ ኣምርሐ።
ኣብ መበል ካልኣይቲ መዓልቲ ናይ ጉዕዞኡ፣ ሓደ ሰብኣይ ረኸበ፣ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ድማ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ክብል ሓተቶ።” ናበይ ገጽካ ኢኻ ድኣ ትኸይድ”?
” ናብ ርሑቕ ዓዲ’የ። ካብዚ ናይ ኣስታት 20 መዓልታት ኣቢሉ ይኸውን። እዚ ኸማን ቀጥ ኢለ ጉዕዞይ እንድሕር ቀጺለ ኢዩ”። ክብል መለሰሉ።
እቲ ሰብኣይ ድማ፣” ዝወደይ!፣ እዚ ትኸዶ ዘሎኻ መንገዲ ብጣዕሚ ፣ ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ፣ ሓጻርን ኣቃራጭን ፣ ዘስግእ ዘይብላ ውሕስቲ መንገዲ ኣላ ዝፈልጣ፣ ብዛ ዝሕብረካ እንተኼድካ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልታት ሰተት ኢልካ ዓድኻ ክትኣቱ ኢኻ”።
እቲ መንእሰይ፣ ክሳብ እቲ ጎይታኡ ዝወሃቦ ምኽሪ ዝዝክር ፣በታ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦ ሰብኣይ ዝሓበሮ ኣቋራጭ መንገዲ ክጓዓዝ ጀመረ። እንዳ ተጓዓዘ ከሎ፣ እታ ጎይታኡ ዝመኸሮ ምኽሪ ትዝ በሎቶ። ( መንገዲ ጥዕና ዓመት ኪዶ”) እናበለ፣ንድሕሪት ተመሊሱ ድማ በታ ነዋሕ መንገዲ ጉዕዙኡ ቀጸለ። ድሕሪ ናይ ቁሩብ መዓልታት ጉዕዞ ፣ ኣቋራጭ መንገዲ ናብ ሕማቕ ከም ዘእቱ ተረድአ።
ቀጺሉ ከኣ ኣብ ወሰን እቲ መንገዲ ፣
ከዕርፈላ ዝኽእል መዕረፊ ኣጋይሽ ረኸበ። ንሓንቲ ለይቲ መሕደሪ ዝኸውን ገንዘብ ከፊሉ፣ ነፍሱ ተሓጺቡ፣ ቀም ኣበለ። ደቂሱ ከሎ ድማ ፣ እዋን ዘይብሉ ለይቲ ምድሪ ፣ ኣዝዩ ዘሰንብድ ወጫጪ ድምጺ ሰምዐ። እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ንኽፈልጥ ድማ ካብ ዓራቱ ብድድ ኢሉ ድሕሪ ምትንሳእ፣ ናብ ማዕጾ ናይቲ ክፍሊ ኣምርሐ። ልክዕ ነቲ ማዕጾ ክፍት ከብሎ፣ ሽዑ ንሽዑ እታ መበል ካልኣይቲ ምኽሪ ናይ ጎይትኡ ኣብ ኣእሙርኡ ቅጅል በለቶ። ኦ,,,,,,, ተዓልያ ሰበብ፣ ብማለት ድማ ፣ ናብ ዓራቱ ተመሊሱ ደቀሰ።
ምድረ ሰማይ ምስ ወግሐ፣ ኣፉ ክኸፍት ናብ’ቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ መዕረፊ ኣጋይሽ ዘወር በሎ’ሞ፣ ብዓል ቤት እቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ፣ ነቲ ኣብ ጊዜ ለይቲ ዝነበረ ኣሰንባዲ ኣውያት ሰሚዕዎ’ዶ ኣይሰምዖን ንኸፈልጥ ተወከሶ። ብርግጽ ከም ዝሰምዖ ውን ኣውክኣሉ።
ከምዚ ክብል ድማ ደጊሙ ሓተቶ ።“እንታይ ድኣ ነዚ ርእስኻ ዝፍንቅል ኣውያት እናሰማዕካ፣ ዘጋጠመ ንኽትፈልጥ ወይ ንኽትረድእ፣ ቅልጥፍ ኢልካ ዘይወጻእካ ? ” ።
“ኣይፋሉ! እዚስ እባ ካባይ ይርሓቕ ኣይገበርክዎን። ክውጽእ ኣይደለኹን”። ክብል እቲ መንአስይ መለሰሉ።
በል ስምዓኒ፣” ንስኻ እቲ ሓደ ንመጀመርታ ጊዜ ካብዚ መሕደሪ ኣጋይሽ ብህይወቱ ዝምለስ ዘሎ ጋሻ ኢኻ።እዚ ኣብዚ ጎረቤተይ ዘሎ ሰብኣይ ምላእ ብምላእ ኣእሙሮኡ ዝሰሓተ ኢዩ። ኣቃልቦ ካልኦት ሰባት ንምስሓብ ድማ፣ ለይቲ መጸት’ዩ ቶኵሱ ዝቐትል።እቶም ኣጋይሽ ድማ፣እንታይ ተረኸበ ንኽፈልጡ ናብኡ ይኸድዎ’ሞ ፣ ንዕኦም ውን ቀቲሉ፣ ኣብቲ ቀጽሪ ናይ ገዝኡ ይቐብሮም”። ክብል ነገሮ።
እቲ መንእሰይ ነዚ ሰሚዑ፣ ቁርሲ ቆሪሱ ፣ ቀልጢፉ ገጽ ሰበይቱ ንኽርኢ እናተሃንጠየ፣ ነቲ ተሪፍዎ ዝነበረ ንውሕ ዝበለ ጉዕዞ ብሸገዳዕ ተተሓሓዞ።
ድሕሪ ነዊሕ ናይ ለይትን ቀትርን ጉዕዞ ከኣ ኣዝዩ ደኸመ። ንገዝኡ ኣማዕድዩ ኣብ ዝርእየሉ ከባቢ ከኣ በጽሐ። መስኮት ናይ ገዝኡ ተኸፊቱ፣ ብእኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛ መብራህቲ( ጋዝ) ተወሊዑ ብርሃን ርኣየ። ተንቃሳቃሲ ምስሊ ናይ ሰበይቱ ውን ኣብ ውሽጢ ገዛ እራኣዮ ነበረ። በይና ከም ዘይኮነት ካልኣይ ኣካል ከም ዘሎ ምስኣ ከኣ ኣረጋገጸ።
እናዳቐረበ ምስ መጸ ከኣ ፣ ጾግራ ተዳዕጒሉ፣ ሓደ ጎቦዝ ምስኣ ከምዘሎ ፈለጠ። ነዚ ክስተት እዚ ምስ ተዓዘበ። ልቡ ብኽቱር ሕርቃንን መሪር ሓዘንን ጓህን መልአ። ቀልጢፉ ከይዱ ንኽልቲኣቶም ብዘይ ምሕረት ክቀትሎም ከምዘሎዎ ወሰነ። ይኹን ድኣ እምበር፣ ህድእ ኢሉ፣ኣዕሚቑ ድሕሪ ምትንፋስ፣ ነታ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ምኽሪ ዘከራ። ብእኡ ንብኡ ድማ ናብ ንቡር ተመልሱ ፣ነቲ ሕማቕ ሓሳብ ኣቋረጾ ። ነታ ለይቲ እቲኣ ድማ ካብ ገዝኡ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ግዳም ንኽሓድር መደበ።ኣብ ጽላል ሓንቲ ንእሽቶ ቆጥቋጥ ደቂሱ ሓደረ። ጽባሕ ንግሆ ክውስን ከም ዘሎዎ ድማ ቆሪጹ ወድአ።
ንጽባሒቱ ህድእ ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ፣ ከምዚ በለ” ንሰበይተይ ኮነ ነቲ ኣፍቃሪኣ ኣይቀትሎምን’የ፣ ሓንቲ ክገብራ ዘላትኒ ፣ ሽዓ ኢለ ናብ ጎይታይ ክምለስ እሞ፣ ደጊመ ምስኡ ክሰርሕ ከምዘለኒ ምሕታት ጥራይ እያ። ግን ቅድሚ ምኻደይ፣ ካብ ንፈላለ ኣትሒዘ፣ክሻዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ እምነተይ ከምዘሎኹ ንሰበይተይ ክነግራ ኣሎኒ ኢሉ ወሰነ ።
ናብ ማዕጾ ናይ ገዝኦም ቀሪቡ ኳሕኰሖ’ሞ ማዕጾ ከፈተትሉ።ርእይ ምስ ኣበለቶ ድማ ብኽያት ሰዓራ፣ ብንባደ ዝኣክል ድማ ነፍሳ ክትቃጻፀር ኣይከኣለትን። ተዳፋነቐት፣ ክትሓቕፎ ውን ደለየት። ንሱ ግን ነፍሱ ኣይገበረሉን ካብኡ ከርሕቃ ድማ ክደፍኣ ፈተነ። ግን ምኽኣል ሰኣነ።ብንብዓት እናተሓጸበ እቲ ዘጋጠመ ክነግራ ከኣ ጀመረ። ” ኣነ ንዓኺ ሓንቲ ካልኢት ውን ትኹን ክጠልመኪ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ፣ ንስኺ ግን ኪሒድክኒ፣ ማሕላናን እምነትናን ኣፍሪስክዮ ” በላ።
ሰንበደት፣ ኣእዳዋ ረድረድ በላ። “እንታይ ኢኻ ትብል! ከመይኢሉ ይኸውን! ከመይጌረ ኣነ ክጠልመካ?። እዚስ ካባይ ይርሓቕ ፣ ብፍጽም ጠሊመካ ኣይፈልጥን እየ። ን20 ዓመታት ዝኣክል እኳ ድኣ ብትዕግስቲ ክጽበየካ ጸናሕኩ ” እምበር። “እንታዋይ ድኣሉ፣ እቲ ትማሊ ኣብ ሕቅፎኺ ተጸጊዑ ዝነበረ በጽሒ” ክብል ስክፍታኡ ገለጸላ።
” ፍትወይ፣ እዚ ትብሎ ዘሎኻ በጽሒ፣ እቲ ብዓይንኻ ዘይረኣኻዮ ቦኽሪ ውሉድና ኢዩ። ልክዕ ንስኻ ምስ ከድካ’የ ነፍሰ ጸር ምዃነይ ዝፈለጥኩ፣እኖሀልካ ድማ ፣ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ”። በለቶ።
ሰንበደ፣ በቲ ዝኾነ ኣመና እናተገረመ፣ ይቕረ ክትብለሉ ከምዘሎዋ ሓተታ። ነወዲ ድማ ሓቚፉ ሰዓሞ። ነቲ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ዘጋጠሞ ውረድ ደይብ ኩሉ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ንሰበይቱን ንወዱን ጸወዮም።
ሰበይቱ ቡን ኣፍልሐት’ሞ፣ ወጃዕ እናበሉ ክሰትዩ ጀመሩ። ቁርሲ ብን ንኽትከውን፣ ነታ ሓለቃኡ ፣ ገዛምስ ኣተኻ ምስ ሰበይትኻ ብሓደ ተቋደስዋ ኢሉ ዝሃቦ ባኒ፣ ድሕሪ ናይ ምስጋና ጸሎት ባሪኹ እንተቆረሳ ፣ ኣብ ውሽቲ እታ ባኒ፣ ናይ 20 ዓመታት መሃይኡ ምስ ሞቖሽሹ ተደርዲሩ ጸንሖ።
ት/ቲ
ርኣዩ’ሞ፣ ኣምላኽ ልክዕ በዚ ሓለቃ ናይ’ዚ መንአሰይ ክምሰል ይከኣል። ትእዛዛቱ ክንሕሉን መስዋእቲ ክንከፍልን ምስ ዝሓተና፣ ካብቲ ንሕና ንዕኡ ዝሃብናዮ ፣ኣብሊጹ ክህበና ፈቒዱ’ሎ ማለትዩ።
ፈጣሪ፣ልክዕ ከምቲ ሂቡና ዘሎ ትሕዝቶ ፣ ከምኡ ምስጢሩን ጥበቡን ክህልወና ይደልየና እዩ። ኣሜን።
ምንጪ ፣ ካብ ገጽ መጽሓፍ ።
ንካልኦት ነካፍል ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ በይንና ኣይንብላዕ።

Advertisements

TEKLEHAIMANOT JOCO:

TEKLEHAIMANOT JOCO:



0 ክንፈልጦም ዘሎና ካብ ዓይነታት ወይ ባህርያት ሰብኡት-10 Characters of a man

by Eri-glass





ካብ ዓይነታት ወይ ባህርያት ሰብኡት
1: ኣስካቡሊ ወይ ነጭበረር /bachelor husband/
ንሰበይቱ ብዘይ ምምኻር፡ ነገራት ባዕሉ ይገብሮም፡፡ ካብ ሰበይቱ ንላዕሊ ዝበዝሕ ግዜ ምስ ኣዕሩኽቱ ይወጽእ። ብዛዕባ ናይ ሓዳር ህይወቱ ዕቱብ ዘይኮነ፡፡
2: መጺጽ ሰብኣይ /acidic husband/
ኩሉ ግዜ ከም ኣሲድ ይፈልሕ፡ ኩሉ ግዜ ሓራቕ፡ ተራጻሚ፡ ኮርፋፍ፡ ዓብላልን ሓደገኛን።
3: ግዙእ ወይ ጊልያ ሰብኣይ /slave husband/
ከም ንጉስ ክትሓዝ ይደሊ፡ ንሰበይቱ ግን ከም ጊልያ ዝሕዛ፡፡ ሰበይቱ ናይ ጥንቲ ነገራት ክትቅበል ዝደሊ፡ ብቐንዲ ስሙ ክትጽውዖ ዘይደሊ፡፡
4: ሓለቓ ሰብኣይ /general husband/
ንኹለን ኣንስቲ ሰብኣየን ዝኾነ፡፡ ካብ ሰበይቱ ንላዕሊ ንኻልኦት ዝፈቱን ዝከናኸንን፡፡ ንእዕሩኽቱ ወይ መሓዙቱ ገንዘብ ምሃብ ዝፈቱ፡፡ ብዙሓት ኣዋልድ መሓዙት ዘለውኦ
5: ድንዙዝ ወይ ንቑጽ ደረቕ /dry husband/
ብጣዕሚ ድንዙዝ፡ ጠማዕን ቀይቃይን፡፡ ናይ ሰበይቱ ስምዒታት ዘይርዳእ፡፡ ምሕዝነቱ ኣዘናጋዒ ዘይገብሮ። ናይ ስሓቕ፡ ምዝንጋዕ ስምዒታት ዘይብሉን ዘይሕሉን፡፡
6: ፈዋሲ ሰብኣይ /panadol husband/
ንሰበይቱ ከም ጸገማት መፋትሕ ይርእያ። ንሰበይቱ ካብኣ ዝኾነ ነገር ምስ ዝደሊ ጥራይ ዝፈቱ። ንፉዕ፡ ድኽመታት ሰበይቱ ዝፈልጥ፡ ተበላጺ፡ ኩሉ ግዜ ካብ ሰበይቱ ረዲኤት ዝደሊ።
7: ጽግዕተኛ ሰብኣይ /parasite husband/
ሃካይ፡ ንሰበይቱ ብጥቕሚ ገንዘብ ጥራይ ዘፍቅራ። ናይ ሰበይቱ ገንዘብ፡ ኣብ ውሽማታቱ ዘጥፍኦ። ፈጣሪ ወይ መሃዚ ክእለት ዘይብሉ፡፡ ንሰበይቱ ኣብ ናይ ገዛ ዕዮታት ሓላፍነታት ዘይሕግዝ።
8: ቆልዓ ሰብኣይ /baby husband/
ሓላፍነት ዘይስምዖ፡ ቆልዓ ነገር፡ ንኣዲኡ ወይ ኣዝማዱ ከይተወከሰ ናይ ባዕሉ ውሳነ ዘይውስን፡፡ ንሰበይቱ ምስ ኣዝማዱ ብምውድዳር፡ ዝኾነ ጌጋ ምስ ዘጋጥም ናብኦም ዝጎዩ።
9: ጋሻ ሰብኣይ /visiting husband/
ኩሉ ግዜ ኣብ ገዛ ዘይርከብ፡ ከም በጻሒ ጋሻ ዝመጽእ፡፡ ንስድርኡ ኩሉ ዘገድስ ነገራት ዘማልኣሎም ግን ከኣ ንዖዖም ዝኸውን ግዜ ዘይብሉ፡፡
10: ኣላዩ ሰብኣይ /caring husband/
ኣላይን
ፈቃርን፡፡ ዘገድሱ ነገራትን ስምዒታዊ ድልየታትን ዘማልእ፡፡ ንስድርኡ ግዜ ዝፈሊ፡፡ ናይ ገዛ መንፈሳውነት
ዝሕብር፡፡ ብጣዕሚ ሓላፍነት ዝስምዖ። ንሰበይቱ ከም ብጸይቱን መሻርኽቱን ሓጋዚቱን ዝከናኸን፡፡
ኣሕዋት ካብዞም ተዘርዚሮም ዘለው ዓይነታት ኣሰብኡት ከመይ ዓይነት ሰብኣይ ምኻንኹም ምዘኑ። ኣሓትና 'ውን ሰብኣይክን ኣበየናይ መስርዕ ከም ዝስራዕ ትፈልጣ'ዶ ትኾና?
SOURCE=Elcrema







Latest news






Eri-glass Tv- ልቢ ጋል ኣንስተይቲ ንምውናን ዝሕግዙ ነጥብታት – So Good Advice by dawit werkie








1. ጽብቕቲ ምኻና ንገራ፡ hot or Sexy ኣይትበላ፡፡ my baby ኢልካ ጸውዓያ፡፡


2. ብልጽቲ ስለዝኾነት ከም ዘፍቀርካያ ኣይትግለጸላ፡ ክትገልጾ ብዘይትኽእል ምኽንያት ከም ዘፍቀርካያ ሓብራ፡፡


3. ኩሉ መዓልቲ ከም እተፍቅራ ግለጸላ፡፡ ብዛዕባ ቅርጺ ሰውነታን ዕድመ ብምውሳኻን ትሻቐል
እንተ ድኣ ኣላ፡ ዝኾነ እንተኾነት ጽብቕቲ ምኻና ንገራ። ብሓይሊ ሓሳባታን መንነታን ኣብ ጎድንኻ ምህላዋን
ኣድንቃ፡፡ ምስ ዝኾነት ጋል ኣንስተይቲ ድማ ኣይተወዳድራ፡፡



4. ክትዛረብ እንከለኻ ዓይኒ ዓይና እንዳርኣኻ ተዛረብ፡ ኣብ ኣጥባታ እንዳርኣኻ
ኣይትዛረባ። ትዛረብ እንተ ድኣ ኣላ ምሉእ ኣድህቦ ሃባ፡ እዝንኻ ጥራይ ዘይኮነ ልብኻ’ውን ከድምጻ ኣለዎ፡፡
ክትዛረበካ እንከላ ቴለፎን ምጥዋቕ፡ መጽሓፍ ምንባብ ኣቃርጽ፡ ኣድህቦኻ ኣብ tv ኣይኹን፡፡ ምሉእ ኣድህቦ ሃባ፡
ምሉእ ኣድህቦ እንተሂብካያ ኣተክሮኣ ናብ ካልእ ኣይስረቕን። ክትዛረብ እንከላ ብጽሞና ስምዓያ፡ ኣይትኽተታ! ደቂ
ኣንስትዮ ከም መሓዝኣን ኮይኑ ዝሰምዐንን ዝርድኣለንን ዘወድአንን ወዲ እየን ዝፈትዋ። ክትሰምዓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ
ሓሳባታ ከም ዘለኻ ኣረጋግጸላ፡፡ ንኣብነት ብሓቂ . . ኣ..ሃ፡ ሽዑ’ኸ . . ፡ ሓድሽ ነገር እንተጌራ ርእይቶኻ
ግለጸላ። ምስኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት online የዕልል። ቅድሚ ምውሳንካ ርእይቶኣ ተወከሳ። ሕቶታት ክትሓተካ
ኮነ ክትመኽረካ ኣፍቅደላ፡፡



5. ብኣኻ ሓሪቓ ምስ እትኸይድ፡ ክትቅጽል ኣይተፍቅደላ። ተመሊስካ ጸውዓያ፡ ብድሕሪኣ ኬንካ ሕቖፋ፡ እንተ ክኢልካ ሕዘላ ወይ ሓንግራ፡ ኣብ ግንባራ ስዓማ፡ እዚ ናይ ፍቕሪ ዝበለጸ መልእኽቲ እዩ፡፡


6. ዕንባባ ከም ህያብ ሃባ፡፡ ናይ ግዜ ቁልዕነታ ዝነበረ ስእሊ ንኸተርእያ ተወከሳ።ኣብ
እዝና ከም እተፍቅራ ግለጸላ፡ ኣሰር ናይ ሽትኻ/ጨና/ ኣብ ዙርይኣ ከም ዝዘውር ጌርካ ሕቆፋ። ኣብ ከባቢ ኣፍንጭኣ
ዘወን እንዳ በልካ የዕልላ። ጃኬትካ ክትለብሶ ኣፍቅደላ፡፡ ጸጉሪ ርእሳ እንዳ ደረዝካ የዕልላ፡፡ ኣብ ቀላጽም ናይ
የእዳውካ ተተርኢሳ ከም እትድቅስ ግበር።እንተ ክኢልጃ ማሳጅ ግበረላ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሰለፍካ ኮፍ ክትብል
ኣፍቅደላ፡፡ ምስኣ ተቓለስ፡ ንሳ ከም እተሕምቐካ ከኣ ግበር። ክትፍለያ እንከለኻ ዋላ’ውን ሰብ እንዳርኣየካ ኣብ
ግምባራ ስዓማ።



7. ምስ ኣዕሩኽትኻ ብኹርዓት ኣላልያ፡፡ ምስ ኣዕሩኽትኻ ኣብ እትህልወሉ እዋን ዋላ’ውን
ጌጋ ይሃልዋ ኣይትድሃላ፡ ኣይትኽተታ፡፡ ክብሪ ሃባ! ናትካ ክብሪ ትደሊ እያ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ኣይተሕፍራ። ምስ
መሓዙታ ክትወጽእ ኣተባብዓያን ኣፍቅደላን፡፡ በይንኹም ኣብ እትኾኑሉ ግዜ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቅድሚ የዕሩኽትካ
ዝሃብካያ ክብሪ ጌርካ ተኸናኸና።



7. ናብ ቤተ ክርስትያን ትኸዱ እንተ ድኣ ኣለኹም፡ ጽርግያ ኣብ እትሰግሩሉ እዋን የእዳዋ ሓዛ፡፡


8. ኣይትኽሰሳ፡ ኣይትወንጅላ፡፡ ዝኾነ ቅሬታ ምስ ዝህልወካ፡ ፍቕሪ ብዝመልኦ መንገፊ ግበሮ፡፡ ብናይ ዝሓለፈ ጌጋ ፍጹም ኣይትጸባበብ፡ ብሕሉፍ ምዝራብ ኣቃርጽ። ኣብ ሕጅን መጻእን ይኹን ኣድህቦኻ።


9. ኣብ ምትንስኣ ክትሰምዖ፡ voice messages ግደፈላ፡ ብዘይ ምኽንያት ደውለላ።
“የፍቅረኪ እየ” ንምባል ጥራይ ደውለላ። ናብ ስራሕ ኣብ ዝኸድካሉ ብሃንቀውታ ስለእትጽበየካ ደውለላ። ሃንደበት
ደውለላ፡ ብስማን ስም ኣቦኣን ጸውዓያ፡፡



10. መብጽዓ ኣቲኻ ኣይትጥለም፡።ዘይትገብሮ መብጽዓ ኣይትእቶ። መንጽዓ ኣቲኻ ካብ ምጥላም፡ ስቕ ምባል ይበልጽ፡፡ ኣብ ቃልካን እምነትካን ጽኑዕ ኩን፡፡


11. ኩሉ ግዜ፡ ግዜ የብለይን ኣይትበል። ግዜ ሃባ! እንተ ሰልችዋ ወይ ሓሪቃ እንተ ድኣ
ኣላ ሒዝካያ ውጻእ፡ ንድራር ጋብዛ። ንፍቕራዊ ምዝንጋዕ ብመደብ ሓዞ፡፡ ኩሉ ግዜ ምስኣ ተጻወት፡ መስሓቕ ነገር
የዕልላ። ከም እትስሕቕ ግበራ፡ ዋዛታት ንገራ፡ ኣዋልድ ከመይ ገይራ ከም እትስሕቕ ዝፈልጥ፡ ፈጠራዊ፡ ስምዒት ናይ
ስሓቕ፡ ተዋዛያይ፡ ወዲ እየን ዝያዳ ዝፈትዋ፡፡ ናብ ዓለምካ የእትዋ። ትፈትዎ ናይ ፍቕሪ ደርፊ ክትሰምዖን ምሳኻ
ክትስዕስዕን ግበር፡፡ ዋላ’ውን ጽኑቕ ከም ዘይኮነ እንዳ ፈለጥካ፡ ንሳ እትፈትዎ ፊልም ወይ ደስ ዝብላ ምርኢት
ምስኣ ኬንካ ርኣዮ። ብናይ ፍቕሪ ቃንቓ ተዛረባ፡ ናይ ፍቕሪ ቃላት ክትምህራ ፈትን፡፡ እዚ ናይ ልባ ኣፍደገ ንዓኻ
ጥራይ ከም ዝኽፈት ይገብር፡፡ መስሓቕ ግን ከኣ መዓስ ዕቱብ ከም ዝኸውን ዝፈልጥ ወዲ ክትከውን ፈትን።



12. ብጣዕሚ ተሪር ወይ ልኡም ኣይትኹን፡፡ ተሪር እንተ ኬንካ ኣባኻ ፍርሒ ክትገብር፡
ክትጸልኣካ ድማ እያ፡፡ ልኡም እንተ ኬንካ’ውን ንኻልእ የሕሊፋ ክትህበካ እያ። ኣዛዚ ኣይትኹን! መዓስ ዕቱብ
ትኸውን፡ መዓስ ናጽነት ትህብ ብግቡእ ኣለሊ። ተሪር ግን ከኣ ንናጽነታ ዝቕበሎ ድኣ ኩን።



13. ንስድራቤታ ኣኽብረላ! ንኻልኦት ድማ ሓግዝ፡፡ ተኸናኸና! ኣብ ግዜ ጸገማ፡ ኣብ ግዜ
ሓዘን ኣብ ጎድና ደው በል። ንዓኻ ኩሉ ነገር ከም ዝኾነት ጌርካ ተኸናኸና፡፡ ሓሚማ እንተ ድኣ ኣላ ምሉእ ለይቲ
ካብ ጎድና ኣይትፈለ፡፡ ኣብ ግዜ ናይ ኣዴታታ ቼኮለት ግዝኣላ፡ የእጋራን ሕቆኣን ድረዛ፡ ኣብ ጎድና ኬንካ ጥራይ
የዕልላ (እዚ ንቃንዝኣ ብልክዕ ከፍኩሰላ እዩ)



14. ነፍስ ወከፍ ጋል ካብ ኣፍቃሪኣ እትደልዮ ሰለስተ ዓይነት ህያባት ኣለዋ። A. ድቢ
ባምቡላ ( ኣብ ዓራት ምስ ደየበት ሓቒፋቶ ትድቅስ)። B. ስልማት ( ንመዋእል ትንየተሉ)። C. ካብ ማልያታትካ
ድማ ሓደ ( ንስኻ ኣብ ዘይብሉ ንዑኡ ብምልብሳ ፍቕርኻ ተስተማቕረሉ)



15. ጌጋ ኣብ ዝገበርካሉ ይቕሬታ ሕተታ፡ ንጌጋኻ ተቐበሎ። መን ከማይ ኣይትበል! ኣይትተዓበ! ትዕቢት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ዝጸልእኦ ባህሪ እዩ።


ምንጪ፡- ካብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ዝተወስደ


teklehaimanot gebremedhin



Advertisements


TEKLEHAIMANOT JOCO

በወላይታ ሶዶ ዩኒቨርስቲ የተነሳ የእሳት ቃጠሎ በንብረት ላይ ጉዳት አደረሰ

ወላይታ ሶዶ ዩኒቨርስቲ ከኤሌክትሪክ ኃይል ጋር ተያይዞ ዛሬ በተነሳ የእሳት ቃጠሎ በንብረት ላይ ጉዳት መድረሱን ዩኒቨርስቲው አስታወቀ። በቃጠሎው በሰው ላይ የደረሰ ጉዳት እንደሌለም ተመልክቷል። የዩኒቨርስቲው ...