ኣብ ህይወትካ ኣቋራጭ መንገዲ ዝበሃል ከይትጥቀም ወይ ከይትወስድ~ሓቅኛ ዛንታ”እሙን ክኾነልኪ`የ”
ኣብ ሓደ ዓዲ ፣ሓንቲ ንእሽቶ ቃጽዖ መሬት ተማሲሖም ዝነበሩ ፣ ውሑድ ትሕዝቶ ዝነበሮም ኣብ ቀረባ ጊዜ ሓዳሮም ዝወጹ ሓደሽቲ መርዑ ነበሩ።
ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ፣ እቲ ሰብኣይ፣ ንሰበይቱ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ኣቕረበላ።
“ፍቕረይ፣ ኣነ ዓደይን ገዛይን ገዲፈ፣ ናብ ስራሕ ዝርከቦ ስፍራ፣ ኣርሒቐ ክጓዓዝ’የ። ኣበርቲዐ ሰሪሐ ገንዘብ ኣጣራናቒበ ፣ መታን ኣብ’ቲ ክትነብርዮ ዝግባኣኪ፣ ዝማእመአን ዝመችኤን ገጻት ህይወት ክትነብርለይ፣ ሻዓ ቢለ ናባኺ ክምለስ’የ።
ንክንደይ ዝኣክል ጊዜያት ኣብኡ ከምጽንሕ ኣይፈለጥኩን፣ የግዳስ ሓንቲ ነገር ቃል ክትኣትውለይ ካባኺ ዝደልያ እንተላ” ክሳብ ዝመጽእ ብእምነትን ጽንዓትን ክትጽበይኒ ጥራሕ ኢያ። ኣነ እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ኩነት ልዕሊ ዝኾነ ኩነት”እሙን ክኾነልኪ’የ”። በላ።
እታ መርዓቱ በቲ ዝበሎ ምስ ተሰማምዐት፣ ስንቁ ቋጺሩ፣ ጉዕዞ ፈለሞ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ መዓልታት ጉዕዞ፣ ኣብ መንገዲ ሓደ ሓጋዚ ዘናዲ ሓረስታይ ተጓነፎ። ሓገዙ ድማ ለገሰሉ። በዚ ኣቢሉ ድማ ምስኡ ንክሰርሕ ናይ ጊዜን ገንዘብን ስምምዕ ጀመሩ።
ከምዚ ውን በሎ ” ስማዕ! ኣነ ክሳብ ይኣኽለኒ ናብ ገዛይ ክምለስ ፣ቢለ ክሳብ ዝውስን ምሳኻ ክሰርሕ ኢየ። ክዓይዮ ዘሎኒ ሓብረኒ ድኣ እምበር ፣ ክሳብ እታ ናብ ዓደይ ክምለስ ዝውስነላ መዓልቲ ፣ መሃያ ኣይሓተካን ኢየ።
ክሳብ ሽዑ ምሳኻ ይጽናሕ፣ ኣቐምጠለይ። ንገዛይ ክምለስ ምስ ወሰንኩ፣ ገንዘበይ እርይ ቁጽር ቢልካ ተረክበኒ”፣በሎ።
ከምዚ ኢሊ ድማ ብዘይ ገለ ዕረፍቲ ን20 ዓመታት ዝኣክል ሰርሐ።ድሕሪ 20 ዓመታት ፣ናብቲ ሓለቕኡ ብምዃድ ፣” ጎይታይ! ሕጂ ንገዛይ ክምለስ ስለዝደለኹ፣ ገንዘበይ ክትህበኒ’የ እኖኹ መጺኤ፣” በሎ።እቲ ሓለቓኡ ፣ ” ብጣዕሚ ጽቡቕ ፣ ስምምዕና መሰረት ብምግባር ፣ ናብ ዘብሎ የብለይን ክህበካ ኢየ”።
የግዳስ፣ ቅድሚ ዝኣገረ ፣ ሓደ ሓድሽ ነገር ክልግሰልካ እፈቱ”።
“ብዘሎ ገንዘብካ ሂበ’ዶ ናብ ገዛኻ ከፋንወካ ትደሊ ወይስ 3ተ ጠቐምቲ ምኽርታ ሂበ ብሰላም ከፋንወካ”፧ ኣብዚኣ ክትርድኣ ዘለካ፣ ” ገንዘብ እንድሕር ሂበካ እተን ምኽርታት ክትከስረን ኢኻ። እተን ምኽርታት እንተሂበካ ድማ፣ ገንዘብ ኣይህበካን ኢየ። ስለዚ ሕጂ ናብ መደቀሲኻ ኪድ እሞ ሓሲብካን ወሲንካን ንገረኒ” በሎ።
እቲ መንእሰይ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ውረድ ደይብ፣ ውሳኔኡ ሒዙ ናብ እቲ ኣስራሒኡ ከይዱ፣ እቲ ዝወሰኖ ውሳኔ ነገሮ። ከምዚ ድማ በሎ” ንዓይስ እተን ሰለስተ ምኽርታት ድኣ ይሃቡኒ፣ ንሰን ይሕሻኒ”።
1 ኣብ ህይወትካ ኣቋራጭ መንገዲ ዝበሃል ከይትጥቀም ወይ ከይትወስድ። ኣቃራጭን ዘይትፈልጦ ጸቢብ መንገዲን ህይወትካ ክወስድ ይኽእል ኢዩ።
2, ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣመና ህዉኽ ኣይትኹን፣ ዘየምጽኣካ ነገር ውን ከይትገብር። ታህዋኽ ናብ ሞት ተብፅሕ ኢያ።
3, ኣብ እትሓርቀሉን እትቕንዘወሉን ኣጋጣሚ፣ ፈጺምካ ከይትውስን ተጠንቀቕ።! ሓሪቕካ ከለኻ ዝወሰንካዮን ዝገበርካዮን ፣ ዋላ እኳ እንተነሳሕካሉን ተጣዓስካሉን፣ ጊዜኡ ምስ ሓለፈ ስለዝኸውን ብዙሕ ጥቕሚ የብሉን።
እዘን ሰለስተ ምኽርታት ምስ ነገሮ፣ ኣስዒቡ ከምዚ በሎ።” እንሆ ሰለስተ ባኒ ንጉዕዞ ዝኾነካ ኣዳልየልካ ኣሎኹ፣ እተን ክልተ ኣብ ጊዜ ጉዕዞ መግቢ ክኾናካ፣ እታ ሳልሰይቲ ድማ በይና ፈልየልካ ኣሎኹ፣ ዓዲ ምስ ኣተኻ ፣ምስ በዓልቲ ቃል ኪዳንካ ኬንካ ትቋደሳ”።
ነዘነ ምኽርታት ሒዙ፣ ጉዕዞኡ ተተሓሓዞ ።ን 20 ዓመታት ዝኣክል ካብ ዓዱን ዓውዱን ካብታ ኣዝዩ ዘፍቕራ ብዓልቲ ቤቱን ዘመድ ቤተ ሰቡን ርሒቑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ናብ ዓዱ ኣምርሐ።
ኣብ መበል ካልኣይቲ መዓልቲ ናይ ጉዕዞኡ፣ ሓደ ሰብኣይ ረኸበ፣ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ድማ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ክብል ሓተቶ።” ናበይ ገጽካ ኢኻ ድኣ ትኸይድ”?
” ናብ ርሑቕ ዓዲ’የ። ካብዚ ናይ ኣስታት 20 መዓልታት ኣቢሉ ይኸውን። እዚ ኸማን ቀጥ ኢለ ጉዕዞይ እንድሕር ቀጺለ ኢዩ”። ክብል መለሰሉ።
እቲ ሰብኣይ ድማ፣” ዝወደይ!፣ እዚ ትኸዶ ዘሎኻ መንገዲ ብጣዕሚ ፣ ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ፣ ሓጻርን ኣቃራጭን ፣ ዘስግእ ዘይብላ ውሕስቲ መንገዲ ኣላ ዝፈልጣ፣ ብዛ ዝሕብረካ እንተኼድካ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልታት ሰተት ኢልካ ዓድኻ ክትኣቱ ኢኻ”።
እቲ መንእሰይ፣ ክሳብ እቲ ጎይታኡ ዝወሃቦ ምኽሪ ዝዝክር ፣በታ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦ ሰብኣይ ዝሓበሮ ኣቋራጭ መንገዲ ክጓዓዝ ጀመረ። እንዳ ተጓዓዘ ከሎ፣ እታ ጎይታኡ ዝመኸሮ ምኽሪ ትዝ በሎቶ። ( መንገዲ ጥዕና ዓመት ኪዶ”) እናበለ፣ንድሕሪት ተመሊሱ ድማ በታ ነዋሕ መንገዲ ጉዕዙኡ ቀጸለ። ድሕሪ ናይ ቁሩብ መዓልታት ጉዕዞ ፣ ኣቋራጭ መንገዲ ናብ ሕማቕ ከም ዘእቱ ተረድአ።
ቀጺሉ ከኣ ኣብ ወሰን እቲ መንገዲ ፣
ከዕርፈላ ዝኽእል መዕረፊ ኣጋይሽ ረኸበ። ንሓንቲ ለይቲ መሕደሪ ዝኸውን ገንዘብ ከፊሉ፣ ነፍሱ ተሓጺቡ፣ ቀም ኣበለ። ደቂሱ ከሎ ድማ ፣ እዋን ዘይብሉ ለይቲ ምድሪ ፣ ኣዝዩ ዘሰንብድ ወጫጪ ድምጺ ሰምዐ። እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ንኽፈልጥ ድማ ካብ ዓራቱ ብድድ ኢሉ ድሕሪ ምትንሳእ፣ ናብ ማዕጾ ናይቲ ክፍሊ ኣምርሐ። ልክዕ ነቲ ማዕጾ ክፍት ከብሎ፣ ሽዑ ንሽዑ እታ መበል ካልኣይቲ ምኽሪ ናይ ጎይትኡ ኣብ ኣእሙርኡ ቅጅል በለቶ። ኦ,,,,,,, ተዓልያ ሰበብ፣ ብማለት ድማ ፣ ናብ ዓራቱ ተመሊሱ ደቀሰ።
ምድረ ሰማይ ምስ ወግሐ፣ ኣፉ ክኸፍት ናብ’ቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ መዕረፊ ኣጋይሽ ዘወር በሎ’ሞ፣ ብዓል ቤት እቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ፣ ነቲ ኣብ ጊዜ ለይቲ ዝነበረ ኣሰንባዲ ኣውያት ሰሚዕዎ’ዶ ኣይሰምዖን ንኸፈልጥ ተወከሶ። ብርግጽ ከም ዝሰምዖ ውን ኣውክኣሉ።
ከምዚ ክብል ድማ ደጊሙ ሓተቶ ።“እንታይ ድኣ ነዚ ርእስኻ ዝፍንቅል ኣውያት እናሰማዕካ፣ ዘጋጠመ ንኽትፈልጥ ወይ ንኽትረድእ፣ ቅልጥፍ ኢልካ ዘይወጻእካ ? ” ።
“ኣይፋሉ! እዚስ እባ ካባይ ይርሓቕ ኣይገበርክዎን። ክውጽእ ኣይደለኹን”። ክብል እቲ መንአስይ መለሰሉ።
በል ስምዓኒ፣” ንስኻ እቲ ሓደ ንመጀመርታ ጊዜ ካብዚ መሕደሪ ኣጋይሽ ብህይወቱ ዝምለስ ዘሎ ጋሻ ኢኻ።እዚ ኣብዚ ጎረቤተይ ዘሎ ሰብኣይ ምላእ ብምላእ ኣእሙሮኡ ዝሰሓተ ኢዩ። ኣቃልቦ ካልኦት ሰባት ንምስሓብ ድማ፣ ለይቲ መጸት’ዩ ቶኵሱ ዝቐትል።እቶም ኣጋይሽ ድማ፣እንታይ ተረኸበ ንኽፈልጡ ናብኡ ይኸድዎ’ሞ ፣ ንዕኦም ውን ቀቲሉ፣ ኣብቲ ቀጽሪ ናይ ገዝኡ ይቐብሮም”። ክብል ነገሮ።
እቲ መንእሰይ ነዚ ሰሚዑ፣ ቁርሲ ቆሪሱ ፣ ቀልጢፉ ገጽ ሰበይቱ ንኽርኢ እናተሃንጠየ፣ ነቲ ተሪፍዎ ዝነበረ ንውሕ ዝበለ ጉዕዞ ብሸገዳዕ ተተሓሓዞ።
ድሕሪ ነዊሕ ናይ ለይትን ቀትርን ጉዕዞ ከኣ ኣዝዩ ደኸመ። ንገዝኡ ኣማዕድዩ ኣብ ዝርእየሉ ከባቢ ከኣ በጽሐ። መስኮት ናይ ገዝኡ ተኸፊቱ፣ ብእኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛ መብራህቲ( ጋዝ) ተወሊዑ ብርሃን ርኣየ። ተንቃሳቃሲ ምስሊ ናይ ሰበይቱ ውን ኣብ ውሽጢ ገዛ እራኣዮ ነበረ። በይና ከም ዘይኮነት ካልኣይ ኣካል ከም ዘሎ ምስኣ ከኣ ኣረጋገጸ።
እናዳቐረበ ምስ መጸ ከኣ ፣ ጾግራ ተዳዕጒሉ፣ ሓደ ጎቦዝ ምስኣ ከምዘሎ ፈለጠ። ነዚ ክስተት እዚ ምስ ተዓዘበ። ልቡ ብኽቱር ሕርቃንን መሪር ሓዘንን ጓህን መልአ። ቀልጢፉ ከይዱ ንኽልቲኣቶም ብዘይ ምሕረት ክቀትሎም ከምዘሎዎ ወሰነ። ይኹን ድኣ እምበር፣ ህድእ ኢሉ፣ኣዕሚቑ ድሕሪ ምትንፋስ፣ ነታ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ምኽሪ ዘከራ። ብእኡ ንብኡ ድማ ናብ ንቡር ተመልሱ ፣ነቲ ሕማቕ ሓሳብ ኣቋረጾ ። ነታ ለይቲ እቲኣ ድማ ካብ ገዝኡ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ግዳም ንኽሓድር መደበ።ኣብ ጽላል ሓንቲ ንእሽቶ ቆጥቋጥ ደቂሱ ሓደረ። ጽባሕ ንግሆ ክውስን ከም ዘሎዎ ድማ ቆሪጹ ወድአ።
ንጽባሒቱ ህድእ ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ፣ ከምዚ በለ” ንሰበይተይ ኮነ ነቲ ኣፍቃሪኣ ኣይቀትሎምን’የ፣ ሓንቲ ክገብራ ዘላትኒ ፣ ሽዓ ኢለ ናብ ጎይታይ ክምለስ እሞ፣ ደጊመ ምስኡ ክሰርሕ ከምዘለኒ ምሕታት ጥራይ እያ። ግን ቅድሚ ምኻደይ፣ ካብ ንፈላለ ኣትሒዘ፣ክሻዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ እምነተይ ከምዘሎኹ ንሰበይተይ ክነግራ ኣሎኒ ኢሉ ወሰነ ።
ናብ ማዕጾ ናይ ገዝኦም ቀሪቡ ኳሕኰሖ’ሞ ማዕጾ ከፈተትሉ።ርእይ ምስ ኣበለቶ ድማ ብኽያት ሰዓራ፣ ብንባደ ዝኣክል ድማ ነፍሳ ክትቃጻፀር ኣይከኣለትን። ተዳፋነቐት፣ ክትሓቕፎ ውን ደለየት። ንሱ ግን ነፍሱ ኣይገበረሉን ካብኡ ከርሕቃ ድማ ክደፍኣ ፈተነ። ግን ምኽኣል ሰኣነ።ብንብዓት እናተሓጸበ እቲ ዘጋጠመ ክነግራ ከኣ ጀመረ። ” ኣነ ንዓኺ ሓንቲ ካልኢት ውን ትኹን ክጠልመኪ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ፣ ንስኺ ግን ኪሒድክኒ፣ ማሕላናን እምነትናን ኣፍሪስክዮ ” በላ።
ሰንበደት፣ ኣእዳዋ ረድረድ በላ። “እንታይ ኢኻ ትብል! ከመይኢሉ ይኸውን! ከመይጌረ ኣነ ክጠልመካ?። እዚስ ካባይ ይርሓቕ ፣ ብፍጽም ጠሊመካ ኣይፈልጥን እየ። ን20 ዓመታት ዝኣክል እኳ ድኣ ብትዕግስቲ ክጽበየካ ጸናሕኩ ” እምበር። “እንታዋይ ድኣሉ፣ እቲ ትማሊ ኣብ ሕቅፎኺ ተጸጊዑ ዝነበረ በጽሒ” ክብል ስክፍታኡ ገለጸላ።
” ፍትወይ፣ እዚ ትብሎ ዘሎኻ በጽሒ፣ እቲ ብዓይንኻ ዘይረኣኻዮ ቦኽሪ ውሉድና ኢዩ። ልክዕ ንስኻ ምስ ከድካ’የ ነፍሰ ጸር ምዃነይ ዝፈለጥኩ፣እኖሀልካ ድማ ፣ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ”። በለቶ።
ሰንበደ፣ በቲ ዝኾነ ኣመና እናተገረመ፣ ይቕረ ክትብለሉ ከምዘሎዋ ሓተታ። ነወዲ ድማ ሓቚፉ ሰዓሞ። ነቲ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ዘጋጠሞ ውረድ ደይብ ኩሉ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ንሰበይቱን ንወዱን ጸወዮም።
ሰበይቱ ቡን ኣፍልሐት’ሞ፣ ወጃዕ እናበሉ ክሰትዩ ጀመሩ። ቁርሲ ብን ንኽትከውን፣ ነታ ሓለቃኡ ፣ ገዛምስ ኣተኻ ምስ ሰበይትኻ ብሓደ ተቋደስዋ ኢሉ ዝሃቦ ባኒ፣ ድሕሪ ናይ ምስጋና ጸሎት ባሪኹ እንተቆረሳ ፣ ኣብ ውሽቲ እታ ባኒ፣ ናይ 20 ዓመታት መሃይኡ ምስ ሞቖሽሹ ተደርዲሩ ጸንሖ።
ት/ቲ
ርኣዩ’ሞ፣ ኣምላኽ ልክዕ በዚ ሓለቃ ናይ’ዚ መንአሰይ ክምሰል ይከኣል። ትእዛዛቱ ክንሕሉን መስዋእቲ ክንከፍልን ምስ ዝሓተና፣ ካብቲ ንሕና ንዕኡ ዝሃብናዮ ፣ኣብሊጹ ክህበና ፈቒዱ’ሎ ማለትዩ።
ፈጣሪ፣ልክዕ ከምቲ ሂቡና ዘሎ ትሕዝቶ ፣ ከምኡ ምስጢሩን ጥበቡን ክህልወና ይደልየና እዩ። ኣሜን።
ምንጪ ፣ ካብ ገጽ መጽሓፍ ።
ንካልኦት ነካፍል ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ በይንና ኣይንብላዕ።

Advertisements