Saturday 3 June 2017

ካብ ሱር መሰረቶም ይመሓዉ ዝተብሃሉ ፀቢብነትን ትምክሕትን ሐዚ ኣበይ በፅሑ?


ካብ ሱር መሰረቶም ይመሓዉ ዝተብሃሉ ፀቢብነትን ትምክሕትን ሐዚ ኣበይ በፅሑ?

መስመር ተሃድሶ “ሓደጋ ስርዓትና፤ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ እዩ” ኢሉ እንተነፅር ፀቢብነት/ትምክሕቲ ሓደ መግለፂኡ ምዃኑ ግልፂ ገይሩ እዩ። ስለዝኾነ ካብዚ ሓደጋ ንምውፃእ ዘኽእል ቀፃላይ ዝኾነ ውዑይ ቃልሲ ምክያድግድን እዩ። ነዚ እውንመሰረታዊ ትሕዝቶ ኣተሓሳስባ ፀቢብነት/ትምክሕቲ ኣቐዲምካ ምፍላጥ የድሊ። ብመሰረት እዚፀቢብነት/ትምክሕቲ ንሰባት ብኣተሓሳስባኦም፣ ፖለቲካዊ ስብእነኦምን ተግባሮምን ዘይኮነስ ብብሄራዊ መንነቶም ፈታውን ፀላእን ኢሉ ዝምድብ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ እዩ። ስለዝኾነ ፅግዕተኛ ሓይልታት ህልውነኦም ንምርግጋፅን ስልጣን መንግስቲ ንምሓዝን ዓሊሞም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ንምግልባጥ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ።
ብመሰረት እዚ፣እቲ ፅሑፍ ብቐንዱ ብፃይ መለስ “ፀቢብነትን ትምክሕትን ካብ ሱር መሰረቶም ይመሓዉ” ብዝብል ኣብ 1994 ዓ/ም ኣሰናዲእዎ ካብ ዝነበረ ፅሑፍ ነቲ ሕዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝምጥኑ ሓሳባት ብምውሳድ ዝተዳለወ እዩ።ስለዝኾነ ኩሉ ኣመራርሓን ኣባልን ውድብና ምስቲ በብኸባቢኡ ዝርከብ ወድዓዊ ኩነታት ብምትእስሳር ብመልክዕ ኮንፈረንስ ምይይጥ ክገብረሉን ሓበራዊ ግንዛበ ጨቢጡንቐፃሊ ቃልሲ ዓቕሚ ዝፈጥረሉን ኩነታት ክህሊ ብዘኽእል ተዋዲዱ ቀሪቡ ኣሎ።
1. ትርጉም ትምክሕትን ፀቢብነትን
ትምክሕቲ ማለትንካልኦት ብሄረሰባት እናነኣስካን እናፅላእላእኻን ንናትካ ብሄር ድማ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣግዚፍካ ምርኣይ እዩ። ብተወሳኺ ትምክሕቲ ገዛእቲ ደርቢ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዝነበሩ ጨቋኒ ኣገዛዝኣ ከም መስርሕ ዝጥቃምሉ ኣተሓሳስባ ልዕልነት እዩ። እዚ ማለት ረብሓ ገዛእቲ ደርብታት ንምኽባር ዓሊሙ ንካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ብምርጋፅን ብምብዝባዝን ኣብ ልዕሊኦም ተዳዕኒንካ ምንባር መሰረት ዝገበረ ኣረኣእያ እዩ።እዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ካብቶም ገዛእቲ ደርቢ ሓሊፉ ካብቲ ስርዓት ምንም ረብሓ ዘይረክብ፣ ውፁዕ ኣምሓራ ህዝቢ እውን ይርአ።ስለዚ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣብ ገዛእቲ ደርቢ ኣምሓራን ሰፊሕ ህዝቢ ኣምሓራን እዩ። ብድምር ትምክሕቲ ማለት ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለፅ ዝኽእል እንተኾነ እውን ቀንዲ ትሕዝትኡ ድማ ሰባት ብብሄራዊ መንነቶም ፈላልዩ ብምርኣይ ናይ ባዕልኻ ብሄር ላዕለዋይ ብምግባር ናይቲ ፅግኝተኛ ገዛኢ ደርቢ ድልየት ብላዕለዋይነት ተግባራዊ ምግባር እዩ። ስለዝኾነኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ኣረኣእያ ትምክሕቲ ናይቲ ካብ ስልጣን ዝተወገደ ደርቢ ኣረኣእያ እምበር ሐዚ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ቁልፊ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን።
ጉድኣት እቲ ኣተሓሳስባ ድማ ብዋናነት ኣብ ህዝቢ ኣምሓራ ዝዓርፍ እዩ። ምክንያቱ እቲ ህዝቢ ከም ሃገሩ ብገዛእቲ ደርቢ ዝተወፅዐ እናሃለወ ሐዚ እውን ካብቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ መሊኡ ኣይወፅአን። ናይዚ መርኣዪ፣ ህዝቢ ኣምሓራ ከም ሃገሩ ብድንቁርናን ድሕረትን ዝማሰነ፣ እኹል ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ዘይረኸበ፣ ፍትሒ ዘይተረጋገፀሉ፣ መሰሉ ዝተዓፈነ ወዘተ እናሃለወ ብስም ውልቃውያን ገዛእቲ ኣምሓራ ተጎልቢቡ ዝነብር ዝነበረ ውፁዕ ህዝቢ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ህዝቢ ሐዚ እውን ነቲ ኩነታት ብኣግባቡ ኣብ ምርዳእ ጉድለት ኣለዎ።
1.1 መግለፂታት ትምክሕቲ
እቲ ልዕልና ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ትምክሕቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተረፍ መረፍ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሓይልታት ኣከብቲ ክራይ ጥብቅና ዝቖምሉ እዩ። ነዚ እውን ኣብ ኣመዳድባ ብሄራት ብሄረሰባት ማእኸል ብምግባር ነቲኣወዳድባ  ኣናኢስካ ብምርኣይ፣ ብሄራዊ ውድባት ምቅላል፣ብብሄር ምውዳብ ከም ድሕረት ገይርካ ምሕሳብ ዝብሉ መግለፅታት ኣለውዎ። ካብዚ ሓሊፉህዝቢ ኣምሓራ ብሕታዊ ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝሕለቕ ጌርካ ብምቑፃር ካልኦት ድማ ንምፍራስሓድነት ኢትዮጵያ ዝተወደቡ ገይሩ ይሓስብ። ውድብ ብኣዴን ንኣምሓራ ህዝቢ ከምዘይውክል ገይርካ ምሕሳብን ምንእኣስን፣ህገ- መንገስትን ኣብ ህገ-መንግስቲ ዝተቐመጡ መሰላት ህዝቢብጥብቂ ምቁዋም ዝብሉ ጉጉይ እምነታት እውን ኣለውዎ።
ትምክሕቲ ዝዓብለሎ ሓይሊ ፅግዕተኝነት፣ ኢህሃዴግ ኮነ ኢሉ ንኣምሓራ ከም ዘድክሞን ዘጥፎኦን ዘሎ ገይሩ ንምግላፅ ዝሕግዝ “ኣብ ኢትዮጵያ ንመሰል ህዝቢ ኣምሓራ ጥብቅና ዝቐውም ፖለቲካ ፓርቲ የለን፤” ዝብልጠቐነ እናተጠቐምካ ህዝቢ የለዓዕል። ነዚ እውን“ትሕዝቶ መሬት ኣምሓራ ተሸንሺኑ ንካሊእ  እናተውሃበ እዩ።ካብ ክልል ኣምሓራ ወፃእ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ በደል ይበፅሖም ኣሎ። ድጋፍበጀት ፌደራል ኣብ ኣመዳድባ ኣድልዎ ኣለዎ።ኣብክፍፍል ስልጣን ፌደራል ተበዲልና፣ ካብ ቁልፊ ናይ ሚንስተር ቦታ ተገሊልና፤” ወዘተ እናበለብዝረኸቦ ኣጋጣሚ መሰረት ኣልቦ ወረ ብምንዛሕ ተመሊሱ ናብ ናይ ቀደም ስልጣኑ ንምምፃእ ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን።
ፀቢብነትዝምልከት ምእኹል ዝኾነ ትርጉም ንምሃብ ‘ኳ ኣፀጋሚ እንተኾነ፣ካብ ትምክሕቲ ብዝኸፍአ በቢከባቢኡ ዝረኣይ ብዋናነት ድማባዕሉ ንስልጣን ካብ ዝሓፀየ በዓል ሃፍቲ ዝፍልፍል ኣረኣእያ እዩ። ብተወሳኺ ፀቢብነት ብሄራዊ ኣድልዎ ኣብ ዘለሉ ዲሞክራስያዊ ሕቶ እዩ። እዚ ኣብ ዘየለሉ ዝለዓል እንተኾይኑ ግን ፀረ-ዲሞክራሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕሉፋት በደላት ትምክሕቲ እናሓሰበ ንዴሞክራስያዊ ሓድነት ዝባኑ ዝህብ ምግንፃል ዝዝምር ኣረኣእያ እዩ። ትምክሕቲ ብሽም ሓድነት ብሄር ብሄረሰባት ምግንፃል እዩ።ፀቢብነት ድማ ናትና ዝብልዎ ብሄረሰብ ነፂልካ ብምሓዝ ባህግታት ውልቀ ሰባት ምርግጋፅ እዩ። ስለዚ ሕልሚ ፀበብቲ ነቲ “ናይና እዩ” ዝብልዎ ህዝቢ ጥራሕ ነፂሎም ንህዝቢ ረብሓ እንተይኮነስ ነቲ ናይ ባዕሎም ድሌት ብኣቋራፂ ንምርግጋፅ፣ እዚ እንዘይተፈፂሙ ድማ ከምቲ ሐዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ብወፍሪ ፅልኣት ሓደ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ እናለዓዓሉ ሃገር ምብታን ዝብል ድሌት ዝሓዙ እዮም።
2. ኣፈላላይ ወያናይ ዴሞክራስን ፅግዕተኛ ሓይልን
ወያናይ ዴሞክራሲ ካብ ኣረኣእያ ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝፍለየሉ መሰረታዊ ነጥቢ ውግንኡ፣ ፈታውን ፀላእን ዝርእየሉ መነፅር እዩ። ወያናይ ዴሞክራሲ ንሰባት ካብ ማሕበራዊ ፍልፍሎምን ፖለቲካዊ ቅዋሞምን እምበር “ዝብኢ ዓደይ ይብለዓኒ” ዝዓይነቱ ብሄራዊ መንነት መሰረት ኣይገብርን። ሓደ ሰብ ሓረስታይ እንተኾይኑ ናይ ዝኾነ ብሄር ተወላዲ ምዃኑ ብዘየገድስ ፈታውየይ ኢሉ ይድምድም።ፅግዕተኛ ኣካቢ ክራይ እንተኾይኑ ድማ ትግራዋይ፣ ኣምሓራ፣ ጉራጌ፣ ኦሮሞ ወዘተ ኢሉ ከይፈላለየከም ፀላኢብምርኣይይቃለሶ። በዚ ከዓ ዝኾነ ይኹን ዝብኢ፣ ዝብኢ እዩ እሞ ፀላእየይ እዩ ኢሉ ይውስን።ስለዚ ወያናይ ዲሞክራሲ፣ ፀላእን ፈታውን ዝሪኣሉ መንገዲ ብሄራዊ መንነት ዘይኮነስ ካብ ማሕበራዊ ትሕዝቶ፣ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ቅዋማትን ተግባራትን ሰባት እናተበገሰእዩ።
ፀቢብነትን ትምክሕትን ግን መሰረታዊ ትሕዝቶኦም ሓደ እዩ። ክልቲኦም ፀላእን ፈታውን ንምፍላይ ዝጥቀምሉ መዐቀኒ “ናይ ኣየንኡ ብሄር ተወላዲ እዩ?” ዝብል እዩ። ደቂ ሰባት ብብሄራዊ መንነቶም ጥራሕ  ፈታውን ፀላእን ብምባል ይምደቡ። ንኣብነት ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብእቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዘይተዓረቕ መንነት እናሃለዎም ነቲ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ንምድኻም ተሓጋጊዞም ዓዲ እንትዘርጉ ተራእዮም እዮም። ነዚ እውን በቢ ከባቢኡ ክንርእይ እንተለና፣ ንኣብነት ኣብ ትግራይ ፀቢብነት ዝግለፅ ኩሉ ትግራዋይ ከም ፈታዊ ገይርካ ብምርኣይ እዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ብዘየገድስ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ፈተውቲ ገይርኻ ምቑፃር ኣሎ። ንካልኦት ብሄረሰባት ተወለድቲ ግን ብብሄራዊ መበገሲኦም ዓቂንካ ከም ፀላእቲ ምቑፃር እዩ። ኣብ ኦሮሞ እውን ብተመሳሳሊ ዝግለፅ እዩ።
ትምክሕቲ እውን ኩሎም ኣምሓሩ ፈተውቲ፣ ካሊእ ተወላዲ ግን ከም ፀላኢ ገይርካ ምርኣይ እዩ። ወያናይ ዴሞክራሲ ግን ሰባት ካብ ብሄራዊ መበገሲኦም እናተደረኸ ዝፈቱ፣ ዝፀልእ፣ ዘቕርብ፣ ዘርሕቕ፣ ዝኣምንን ዝጥርጥርን ዘይኮነስ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታቶም መበገሲ ገይሩ ዝውግን እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ስርዓት ወያናይ ዴሞክራሲ፣ ስልጣን መንግስቲ መኽበሪ ውሑዳት ዘይኮነስ ፃምእ ልምዓት፣ ዴሞክራስን ሰላምን ህዝብታት ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ምዃኑ ኣሚኑ ይብገስ።
ብድምር ወያናይ ዴሞክራሲ ንሓረስታይን ውፁዕ ህዝብን ወጊኑ ጠጠው ዝበለ ውድብ እዩ እንትብሃል ነዚ ብተግባር ምርግጋፅ ግድን እዩ። ነዚ እውን እቲ ሓይሊ ዴሞክራስያዊ ተሳትፎ፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምርግጋፅ፣ ንሕድሕድ ነገር ምስ ጥቕሚ ህዝቢ እናተኣሳሰረ ቅልጡፍ ዕብየት ንክህሉ ኣብ ሓበራዊ ፍቓድ ዝተደረኸሓድነት ሃገር እንትህሉ ምዃኑ ይኣምን። ሃገር እንትትበታተን ልምዓት ተበቲኑ ጉዕዞኣ ከምዝጉተት እውን ኣንዳዕዲዑ ይኣምን። ስለዝኾነ እዚ እምነት፣ ብሄራት ብሄረሰባት እዛ ሃገር ሓቢርካ ምንባር ፀሊኦም ዝበታተኑ ኣብ መንጎኦም ልዕልነት ፀቢብነትን ትምክሕትን እንትህሉ ምዃኑ እዩ ዘርእየና። ኣብ ሃገር ምብትታን እንትመፀእ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምግማቱ ዘፀግም ህልቀትን ምትሕርራድን ከም ዘጋጥም ኣየጠራጥርን።ብመሰረት እዚወያናይ ዴሞክራስያዊ ሓይሊ ኣብ መሰልን ማዕርነትን ዝተደረኸ ሓድነት እንትህሉ ህዝብታት ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን እናረኸቡ ሃገር ብሓባር ከምዝማዕብሉ ይኣምን።
ፀቢብነትን ትምክሕትን ግን ህዝብታት ብብሄራዊ መንነቶም ክፈላለዩን ክናቖሩን ዝገብር እዩ። ፅግዕተኛታት ኣካብቲ ክራይ፣ካብ ውልቃዊ ድልየቶም ዝብገስ ዝደለይዎ ብሄርብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ጎድኖም ብምስላፍ ካልኦት ህዝብታት ክብዝብዙ እንተዘይኮይኑ ድማ ናትና ዝብልዎ ነፂሎም ንምምዕባል እዮም ዝፅዕሩ። ዴሞክራስያዊ ሓድነት ኣብ ወፅዓን ኣድልዎን ዝተደረኸ ሓድነትን ምብትታንን፣ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብትምክሕትን ፀቢብነትን ዝትክእ እዩ። እዚ ድማ ህዝቢ ክበታተንን ክናቖርን ዝገብር ተግባር እዩ።
3. መግለፂ ትምክሕትን ፀቢብነትን
ፀቢብነትን ትምክሕትን መሰረታዊ ፍልፍሎም ጉዳይ ውግንናን ኣሰላልፋን ኮይኑ እዞም ኣረኣእያታት ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣብ ውድብና ክንፀባረቑ ፀኒሖም እዮም። ስለ ዝኾነ እቶም መንቀርሳ ሃገር ዝኾኑ ኣረኣእያታት 1993 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠ ተሃድሶን ሐዝን ዝግለፅሉ መንገድታት ብሓፂሩ ክንርኢ።
3.1.   ምስ ብሄራዊ ተዋፅኦ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ጉዳያት
ውድብና ካብ ኩሉ ዝፍለየሉ መሰረታዊ ጉዳይ ኣብ ዴሞክራስያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ዘለዎመርገፂ እዩ። ነዚ እውን በቢብርኩ ዘሎ ህዝቢ ካብ ጣብያ ጀሚሩ ክሳብ መንግስቲ ፌደራል ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ፣ ፍትሓውነትን ማዕርነትን ብዘረጋግፅ መንገዲ ምስታፍን ምውካልን ከምዘድሊ ኣሚኑ የተግብር ኣሎ።
ኣብቲ ፈላማይ ተሃድሶ ውድብና ምስ ብሄራዊ ተዋፅኦ ብዝተተሓሓዘ በቢብርኩ ዘለዉ ኣብያተ ምኽሪ፣ ብፍላይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ፌደሬሽንን ከምኡ ብፌደራል መሓዉር ካቢኔ በቲ ሓይሊ ትምክሕትን ፀቢብነትን ኣቢሎም ብዝተዋደደ መልክዑ መዕነዊ ተግባራት ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም። ቀንዲ መጣጠኒኡ ድማ “ናይ እከለ ብሄር ቁፅሪ ንኢሱ፣ ናይ እከለ ብሄር ወሳኒ ቦታ ሒዙ፣ እዚ ብሄር ናተይ እንተዝኸውን ብገንዘብን ሃፍትን ምሓለፈለይ ነይሩ። ስለ ዝኾነ ፌደራሊዝም ጎዲኡና እምበር ኣይጠቐመናን” ዝብል ነይሩ። ሕዚ እውን እዚ ኣረኣእያ ዝተዳኸመ እንተመሰለ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝካየድ ዴሞክራስያዊ ቃልሲ ብዝተዳኸመ ቁፅሪእቲ ኣካቢ ክራይ ኣረኣእያ እናጠጠዐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ይኹን እምበር ብብርኪ ሃገር ቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ ዝረአ ብቀበሌ (ጣብያ)፣ ወረዳን ዞባን እንትኾን ካብዚ ሓሊፉ ባዕሉ ብዘዳልዎ ክልላዊ ምምሕዳር እዩ። ካብዚ ምምሕዳር ባዕሉ ንባዕሉ ዝመሓደረሉ፣ ቋንቋኡ፣ ባህሉ፣ እምነቱ ወዘተ ዘዕብየሉ ናይ ባዕሉ ጉዳይ ብዘይምንም ኢድ ኣታውነት ዝውስነሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ክልላት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዝሃቦም ስልጣን፣ ፌደራል መንግስቲ እውን እንተኾነ ኣብ መንጎዘይኣትወሉ ምሉእ ስልጣን ኣለዎም። መንግስታት ፌደራልን ክልልን ሓዲኡ ልዑል ካሊእ ዝተሓተ ዘይኮነስ ኩሎም ላዕለዋይ ስልጣን ዘለዎም ስርዓታት እዮም። ነዚ እውን ኣብ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ምዕራፍ ሓሙሽተ፣ ዓንቀፅ ክልተ “መንግስቲ ክልልን ፌደራልን ሕጊ ናይ ምውፃእ፣ ናይ ምፍፃምን ናይ ምትርጓምንስልጣን ኣለዎም”ይብል። ኣብቲ ምዕራፍ ዓንቀፅ ትሽዓተድማ “ስልጣን ክልልን ፌደራልን ኣብዚ ሕገ መንግስቲ ተወሲኑ ኣሎ።ንመንግስቲ ፌደራል ዝተውሃበ ስልጣን ብክልላት፣ ንመንግስቲ ክልልዝተውሃበ ስልጣን ድማ ብመንግስቲ ፌደራል ክኽበር ኣለዎ፤” ይብል።
ብሄራትብሄረሰባት ህዝብታት ካብ ክልሎም ሓሊፎም ኣብ ሓበራዊ ጉዳይ እውን ብማዕርነት ዝሳተፍሉ ኩነታት ኣሎ። ነዚ እውን ኣብ ተወከልቲ ህዝብን ፌደሬሽንን ዘሎ ውክልና ሓደ መርኣዪ እዩ። ኣብ ተወከልቲ ህዝቢ “ንሓደ ሰብ ሓደ ድምፂ” ብዝብል መትከል ብሄር ብሄረሳባት ባዕሎም ወኪሎም ብዝልእኽዎ ተወካሊኦም ኣቢሎም ከም በዝሒ ህዝቦም ውክልናኣለዎም። እቶም ውሑዳት ብሄረሰባት እውን እንተነኣሰ ሓደ ወንበር ዝሕዝሉ፤ እቶም ውሑዳት በቶም ብዙሓት ከይዕብለሉ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ብማዕርነት ዝተወከልሉ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ተጣይሹ እዩ። እዚ ንሓደ ብሄረሰብ ሓደ ወንበር ክህልዎ ምስ ተገበረ ንሕድሕዱ ንሓደ ሚልዮንህዝቢ ሓደ ተወሳኺ ወንበር እናተወሰኸ ብሓባር ዝፈረየ ሃፍቲ ብመሰረት ቀመር ባዕሎም ዝድልድልሉ ስርዓት ተዘርጊሑ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ፀበብትን ትምክሕተኛታትን ነዚ ፀለሎ ብምልካይ ህዝቢ ንክጠራጠር ለይቲ ምስ ቀትሪ እናፀዓሩ ይርከቡ።
እቲ ካሊእ ቅድም ይኹን ሐዚ ጎሊሁ ዝረአ ኣብ ካቢኔ ፌደራል(ፈፃሚ ኣካል)ዘሎ እዩ። መዐቀኒ ኣወዳድባ ካቢኔ ፌደራል ድማ ንሕገ መንግስቲ ተኣማኒ ዝኾነ ንኹሎም ህዝብታት ብማዕርነት ከገልግል ዘኽእል እምነት፣ ብቕዓትን ድልውነትን ዘለዎእዩ።  ስለዚ እቶም ፈፀምቲ ስራሕ ንዝመፅሉ ብሄር ንምግልጋል እንተይኮነስ ንህዝቢ ሃገርና ብማዕርነት ምግልጋል እዩ።
እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ብሄር ብሄረሰባት ብማዕርነት ብዝወከልሉ ቤት ምኽሪ ተወካልቲ ህዝቢ ልዑል ድምፂ ብዝረኸበውድብመሰረት ዝሽወም ብምዃኑ ኢህወዴግ ኣብ ዘይንቀሳቐሰሎም ክልላት ኣብምምጥጣን ሕፅረት ክህሉ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ነቲ ፖሊሲ ከፈፅምሉ ዝኽእሉ ሰባት ብዝድለ ዘይክርከቡ ይኽእሉ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ቁፅሪ ካቢኔ ውሱን ብምዃኑ ንኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ዝውክል ካቢኔ ክህሉ ኣይኽእልን። ብምኽንያት እዚ ብመረፃ ኣቢሎም ካብ ዝጣየሹ ኣብያተ ምኽሪ ብዝተፈለየ መልክዑ ኣብ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ተዋፅኦ ዘይክመጣጠን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ኢህወዴግ ብሄራዊ ተዋፅኦ ዝተመጣጠነ ንክኸውን ዓሊሙ ኣባላት እቲ ውድብ ዘይኮኑን ኢህወደግ ካብ ዘይንቀሳቐሰሎም ክልላትን ሓዊሱ ኣባላት ካቢኔ ዝምደብሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።
ረብሓ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ዝሕሎ ፖሊስታትን ስትራተጅታትንህወሓት/ኢህወዴግ ብዝተማልአ መንገዲ እንትፍፀም ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ድማ ብቑዕ ኣባል ካቢኔ እንትህሉ እዩ። ስለዝኾነ ብሽም ብሄር ብቕዓት ዘይብሎም እንተተመደቡ ነቲ ብሄር ሓዊሱ ንኹሎም ህዝብታት ሃገርና ምጉድኡኣይተርፍን። ስለዝኾነኢህወዴግ መዐቀኒ ኣውፂኡ እናሰርሓሉዝመፅአ፣ ብሄራዊ ተዋፅኦን ብቕዓት ካቢኔንኣማእኺሉ ምፍፃሙ ትኽክል እዩ። ነዚ እውን ከምኢህወዴግ ብሄራዊ ተዋፅኦ ዝሪአሉ መነፅርንዴሞክራሲያዊ ተሳትፎን ምርግጋፅ ረብሓህዝብን መሰረት ብምግባር እዩ። ይኹን እምበር እቶም ፅግዕተኛ ሓይልታት ካብዘለዎም ህረፍ ስልጣን ብምብጋስ፣ ካብ ቀበሌ (ጣብያ)ጀሚሮም ክሳብ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዘሎ ውክልና ህዝቢንጎድኒ ገዲፎም ህዝቢ ዘደናግርሉ ዛዕባ እናመረፁ እንትልፍልፉ ንዕዘብ ኣለና። ነዚ እውን በቢደረጅኡ ዘሎ ውክልና ህዝቢ እንተይረኣዩ ኣብ ፌደራል ካቢኔ ተደሪኾም ህዝቢ ከደናግሩ ይረኣዩ።
እቲ ካሊእ መዕነዊ ኣረኣእያ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣብ መከላኸሊ ሃገርን ሓይልታት ፀጥታን ዝፍንውዎ ነቐፌታ እዩ። ቀንዲ ተልእኾ መከላኸሊ ሃገርን ሓይልታት ፀጥታን፣ሃገርን ሕገ መንግስትን ካብ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ብምሕላው ህዝቢ ውሑስ ሰላም ረኺቡ ልምዓቱ ምቅልጣፍ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣካላት ፀጥታ ካብ ብሄር ብሄረሰባት ዝተውፃፅኡ ክኾኑ ከም ዝግባእ ሕገ መንግስቲ  ሃገርና ደንጊጉ እዩ።  ብመሰረት እቲ ሕጊ ዝተመጣጠነ ሰራዊት ክህሉስለዝግባእ ንነዊሕ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካየደብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝግመት ሰራዊት ህወሓት ድሕሪ ሽግግር መንግስቲ ክቕነስ ተገይሩ እዩ። ስለዚ በቢ ግዚኡ ብዝካየዱ ምልመላታት ሐዚ እቲ ተዋፅኦ መከላኸሊ ሃገር ናብ ተመጣጣኒ ብርኪ በፂሑ ኣሎ። እዞም ሓይልታት ጥፍኣት ነዚ ጉዕዞ ዘወር ኢሎም እንተይረኣዩ ኣብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተንጠልጢሎም ልዕልነት ሓደ ብሄር ኣሎ ክብሉ ይስምዑ።
ከምቲ ዝፍለጥ ሓደ ወታሃደር ናብ ሓላፍነት ዝመፅእ ንነዊሕ ግዘ ብዘኻዕበቶ ልምዲእዩ። ምንም እኳ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውንዝሓለፉ 25 ዓመታት ምምጥጣን ሓላፍነት እናተሰርሐ እንተመፅአ መከላኸሊ ሃገር ከም ሲቪል ብጅምላ እንትቕየር ነታ ሃገር ናብ ሓዊ ምምራሕ ስለ ዝኾነ ሉኣላውነት ሃገር ንዘይምጉዳእ ልምድን ብቕዓትን መሰረት ገይርካ እናተሰርሐ እዩ። ብድምር ዝኾነ ቅኑዕ ሰብ መስዋእቲ ዝኸፍል ንሃገሩ እምበር ንመንነቱ ፈልዩ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ፅግዕተኛ ሓይልታት ኣብ መከላኸሊ ሃገር ትኹረት ዝገብርሉ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ዋሕስ ሃገርን ሕገ መንግስትን ዝኾነ ሰራዊት እንተዘይተዳኺሙ ሃገር ንምፍራስ ዝሓዝዎ ሕልሚ ስለ ዝመክን እዩ። ነዚ ኢሎም እውን ነዊሕ ዘሚቶም። ስለዝኾነ ነዚ ኣብ ሓይልታት ፀጥታ ኣነፃፂሩ ዝፍፀም ዘሎ ዘመተ ሓሶት ሓይልታት ትምክሕቲ ኣባልናን ህዝብናን ብትረት ክቃለስዎ ይግባእ።
3.2. ምስ ፍትሓዊ ተረባሕነትተዛሚዶም ዝለዓሉ ሓሳባት
ሓይልታትትምክሕትን ፀቢብነትን፣ ምስ መንግስቲ ፌደራል እናዛመዱ ዘልዕልዎ ነጥቢ“ኢኮኖሚእዛ ሃገር ሓደ ብሄር ብሒቱ ተቖፃፂርዎ” ዝብል ኣገላልፃ እዩ። እዚ እውን ምስ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ተዛሚዱ ብስፍሓት “ማዕረ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት የለን” ዝብል እዩ። ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት እቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ዝተቐመጠ “ምርግጋፅ ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ” ዝብል ንጎድኒ ብምግዳፍ ብበዝሒ ህዝብን ስፍሓት መሬትን ማእኸል ብምግባር ዝፍፀም እንተኾይኑ ዘይሩ ዘይሩ እቲ ውድቀት ዘይተርፍ እዩ። እቶም ሓይልታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ዝደልይዎ ዘለዉ ከዓ ነዚ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ፌደራል ሕድሕድ ክልል በቢከባቢኡ ዘለዉ ልምዓታት ፀንቂቑ ንኽጥቀም ድጎማ በጀት ዝግበር ኮይኑ ብዝተፈለየ ምኽንያት ብልምዓት ዝተጎተታ ክልላት ድማ ፍሉይ ድጎማ ንምግባር ዝግበር ምንቅስቓስ ኣሎ።ብምኽንያት እዚ፣ መንግስቲ ፌደራል ንክልቲኡ ፍትሓውነት ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ምንቅስቓሱ ጉድለት ኣይብሉን።እቶም ሓይልታት ትምክሕቲ ድማ ካብ ዘለዎም ፀቢብ ኣረኣእያ ብምብጋስ ”በጀት ማዕረ ይከፋፈል”ብዝብል መደናገሪ ፕሮፖጋንደኦም እናተጠቐሙ ጥርጣረ ዝዘርእሉንካብዚ ሓሊፎም ብልምዓት ዝደሓሩ እናደሓሩገዲዶም ንድሕሪት ክጉተቱዝፅዕርሉኩነታት ይርአ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድጎማ በጀት ብቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ከም ዝውሰን ግንዛበ እናተፈጠረ መፂኡ እዩ። ፅግዕተኛ ሓይልታት ድማ ነዚ ከምዘይፈልጡ መሲሎምብዛዕባ ድጎማ እንትለዓል “ክልልና ክንደይ ብር ተመዲቡላ” እምበር “እቲ ዝመፅአ ገንዘብ ኣበይ ውዒሉ? ጉልበት ህዝቢ ተጠቒምና ነቲ ልምዓት ከመይ ኣቀላጢፍናዮ”ወዘተ ዝብል ቅኑዕ ሓሳብ ኣየልዑሉን። ይኹን እምበር ካብ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብምብጋስ መጀመርያ ሃገራዊ ኣረኣእያ ሃልዩ ቀፂሉ ድማ ብዛዕባ ኣብታ ክልል ዘሎ ሕቶን ርእይቶን እዩ ክመፅእ ዝግብኦ። ካብዚ ወፃእ ሕድሕድ ክልል ክንደይ ዝኣክል ሳንቲም ተሪፉኒ ናብ ዝብል ምፅብፃብ እንተኣትዩ እቲ ሓሳብ ካብ ፀቢብነት ምብጋሱ ኣይተርፍን። እዚ ማለት ሕድሕድ ሳንቲም ኣበይ ከምዝኣተወት ምሕታቱ ኣይፅላእን። ይኹን እምበር መንግስቲ ነቶም ቀንዲ ሓይልታት ልምዓት ዝተጠዓዓመ ባይታ ኣብ ምፍጣር፣ ኣብ ምትሕብባር፣ ምምራሕ ወዘተ ግደ እዩ ዘለዎ እምበር ቀንዲ ናይ ልምዓት ሓይሊ ኣይኮነን። ዋና ሓይሊ ልምዓት ህዝቢ እዩ።ምንጪ ኢኮኖሚ ሃገርና ድማ መርየትን ሰፊሕ ጉልበት ሰብን እዩ።
እዚ እናሃለወ ሃፍቲ ሃገር ንብሕትኻ እትጥቀመሉ ኣሰራርሓ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ሓደ ብሄር ተቖፃፂርዎ ዝብልሉ ኩነታት መበገሲኡ ፀለመ እዩ። እዚ ድማ ልምዓታዊ ኣተሓሳስባ ዘይምሓዝ ጥራይ ዘይኮነስ ብድሕሪኡ ፅግዕተኛ ኣተሓሳስባ ዝተሓንገጠ ስርዓት ናይ ምፍራስ ምንቅስቓስ ምዃኑ እዩ። ብተወሳኺ እቶም ፅግዕተኛ ሓይልታት ነቲ መስርሕ ዝቃወምሉምኽንያት ንወረራን ብኽነትን ምዕሩይ ክኾን ስለ ዝደልይዎ እዩ። በዚ ኣቢሎም ውልቀ ረብሐኦም ከረጋግፁ ስለ ዝደልዩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምቅርሓን ብምፍጣር ኣፈላላይ ክፍጠር ካብ ምድላይ ዝብገስ እዩ። እቲ ምንታይ ንዕኦም ልምዓት ማለት ሃፍቲ መንግስትን ህዝብን እናሓለብካ ምንባር ስለ ዝኾነ።
3.3. ምስ ክለላ ዶብ ተዛሚዶም ዝለዓሉ ሓሳባት
ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣሰፋፍራ ብሄራትብሄረሰባት ህዝብታት መሰረት ዝገበረ ክለላ ዶብንፈለማ እዋን ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ዝተዋቐረሉ እዋን እዩ ተፈፂሙ። ይኹን እምበር ኣብ ሕሉፋት ስርዓታት ብዝነበረ ኣድልኦዊ ኣወሳስና ሓደ ሓደ ሕልኽልኽ ዝበሉ ክለላታት ከይተወገኑ ብምፅናሖም ምስቲ ፀገም ኣረኣእያ ተደሚሩ ዋጋ እናኽፈለ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ፀገማት ብእዋኖም ብዘይምፍትሖም“እከለ ብሄር መሬተይ ወሰደኒ ወይ ክወስደኒ ደልዩ” ኣብ ዝብሉ ጉዳያት የትኩር ኣሎ። ነዚ መፍትሒኡ ድማህዝቢ ብዘሳተፈ መንገዲ ምፍፃም እዩ።
ምክላል ወሰንእንትበሃልኣብ ሃገርና ዘለዉብሄራት ብሄረሰባት ህዝብታት ዓርሶም ክኢሎምዝመሓደርሉ ምዕሩይ ኩነታት ንምፈጣር እምበር ኣብ መንጎኦም ዘይሕለፍ ፈንጂ ንምትካልኣይኮነን።ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ተጋዳላይ መለስ፣“ጉዳይ ምኽላል ዶብ ካብ ሓደ ሃገራዊ ኣረኣእያን ህዳሰ ሃገርናን ክብገስ ኣለዎ። ሓደ ዝተኣሳሰረ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ንምህናፅ ኢና ንጓየ ዘለና። መሬት ሃገርና ይኹን ካሊእ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንሓበራዊ ልምዓት ንጥቀመሉ እምበር ከም ስርዓት ʻኣፓርታይድʼ ካብዚ ንደሓር ናይ እከለ ብሄር ዘወር ዘይብለሉ እዩ ኢልና ንሓፅሮ ኣይኮነን። ከምዚ ገይርና እንተዘይርኢናዮ ብፅግዕተኛ ሓይሊ እናተመርሐ ጉዳይ መሬት ጉዳይ ምምንጣል ገይርካ ምውሳዱ ኣይተርፍን፤” ክብል ገሊፁዎ እዩ።
ስለዝኾነ ጉዳይ ዶብ በቲ ሓደ ገፅ ፀረ ሰላም ሓይልታት በቲ ካሊእ ገፅ ውፁዓት ዝእከብሉ ስለ ዝኾነ ወያናይ ዴሞክራሲ ብዝኽተሎመንገዲ ውፁዓት ተዛትዮም ዝፈትሕሉ ኩነታት ምፍጣር የድሊ። በዚ ኣቢልካ ድማ ሓይልታት ፀረ ሰላም ኣብ መንጎ ህዝብታት ቅርሕንቲ ንምፍጣር ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ውፁዓት ብሓባር ዝቃለስሉ ዕድል ምፍጣር እዩ። ብመሰረት እዚ ኣብ ዶብ ዘሎ ምስሕሓብህዝቢ ብምስታፍ ክፍታሕ ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ብሓይልታት ፀረ ሰላም ዝለዓል ሕቶ መሬት ሃገር ንምብታን ዝግበር ላዕልን ታሕትን ስለ ዝኾነ ክንቃለሶ ኣለና። ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ኣምሓራን፣ ክልል ኦሮምያን ኢትዮጵያ ሶማሌን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዝረአ ፀገም ክለላ መሬት ዕልባት ክረክብ ብምግባር ንዘበናት ዝዘለቐ ሓድነት ምጥንኻር ይከኣል እዩ።
4. ፀቢብነትን ትምክሕትን ዋና ፖለቲካዊ ፅግዕተኛታት ዝኾንሉ ምኽንያት
ኣብ ሃገርና ንዘበናት ዝፀንሐ ብሄራዊ ወፅዓን በደልን እዚ ሱር ዝሰደደ ትምክሕትን ፀቢብነትን ንክህሉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ስለ ዝኾነ ንፀቢብነትን ትምክሕትን ዝሽከም ኩነታት ብምፍጣሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዘለዉ ነባራዊ ናይ ዓቕሚ ኣፈላላያት ኩሎም ህዝብታት ነቲ ሕገ-መንግስቲ ዝሃቦም መሰላት ብዝለዓለ ብርኪ ንኸይጥቀሙ ማሓንቕ ኮይኑ እዩ። ብመሰረት እዚ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝፍጠር ድሑር ኣተሓሳስባ ክብሪት ንምውላዕ ፀበብትን ትምክሕተኛታትን ካብዚ ዝበለፀ ኣማራፂ የብሎምን። በዚ ድማ ፀቢብነትን ትምክሕትን ቀንዲ ፖለቲካዊ መሳርሒ ፅግዕተኛታት ዝኾንሉ ምኽንያት ንምፍጣር ዘኽእሉ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘይተሰገሩ ሰፋሕቲ ፀገማት ኣተሓሳስባን ኣለዉ። እዞም ኣተሓሳስባታት ድማ ነቲ ፅግዕተኛን ህዝብን ዘተኣሳሰሩ ገመዳት ኮይኖም ይሰርሑ ኣለዉ።
ሓይልታት ትምክሕቲ ኣብ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ምህርቲ ኣቕሪብካ ምህፍታም ዘይኮነስ፤ ስልጣን መንግስቲ ምስ ዝሓዙ ብምሽራኽ ሃፍቲ ህዝቢ ብቐጥታን ተዘዋዋርን ዘሪፍካ ምህፍታም ዝብል ዕላማ ኣለዎም። ነዚ እውን ስልጣን ንምርካብ ደገፍ ህዝቢ ምርካብ ወሳኒ ስለዝኾነ “ዝብኢ ዓደይ ይብለዓኒ” ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ክሰፍን ምግባር ቀንዲ መሳርሒኦም እዩ። ይኹን እምበር ናይ ትግራይ፣ ኣምሓራ ይኹን ኦሮሞ ዝብኢ ካብ ዝብእነቱ ኣይሓልፍን። እዚ ማለት ሓይልታት ፀረ ሰላም ስልጣን እንትሕዙ ሃፍቲ ህዝቢ እናመጠጡ ዝነብሩ ቆራዲድ እምበር ኣብ ዕዳጋ ተዋዳዲሮም ዝህፍትሙ ስለዘይኮኑ ልምዓት ኣየረጋግፁን።
5. ትምክሕትን ፀቢብነትን መግለፂ ምብስባስ ውድብና ዝኾንሉ ምኽንያት
ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ክነውግዝ ፀኒሕና ሐዚ እውን ኣብ ውድብናዝረኣየሉ ኩነታት ብምህላዉ ናይ ምብስባስና ሓደ ምልክት እዩ። ቅድሚ 15 ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ተሃድሶ ውድብና ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ዝርከቡ ኩሎም መሰረታዊ ጉዳያት ዝፀረየ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘይምሓዙ፣ እቶም ኣረኣእያታት ምስ ፅግዕተኛ ኣረኣእያ እናተሓዋወሱ ምምፅኦም ሓደ ናይ ምብስባስ ሓደጋ ፍልፍል ኮይኑ ነይሩ። ካልኣይ ኣብ ውሽጢ ውድብን ሕብረተሰብን ኣተሓሳስባን ተግባርን ፀረ ዲሞክራሲ እናጎልበተ፣ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካን ቃልስን እናተዳኸመ ዝመፀሉ እዋን ነይሩ። እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ምክእኣልን ውልቃውነትን እናተጠናኸሩብምምፅኦም ግዕዝይናንኣካብነት ክራይን እናወለደ መፂኡ እዩ። በዞም ምኽንያታት ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ስልጣን ብርስቲ ሒዙ ብግዕዝይና ባዕሉ ናብ ፅግዕተኛ ገዛኢ መደብ እናተሸጋገረ ምምፅኡ እዩ ሓደጋ ምብስባስ እንብሎ። ውድብና ብፅግዕተኛ ረግረግ እናሰመጠ ብዝመፀ ቁፅሪ ቀንዲ ምልክት ምብስባስና እናኾነ መፂኡ።ብመሰረት እዚ ፀቢብነትን ትምክሕትን ኣብ ውድብና ስፍሓትን ዕምቆትን እናረኸበ ምምፅኡ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስና ቀንዲ ፖለቲካዊ መግለፂ ኮይኑ ነይሩ።
6. ትምክሕትን ፀቢብነትን ሕዚ እውን መግለፅታት ፀረ ዴሞክራስን ኣካብነት ክራይን እዮም።
ኣተሓሳስባ ትምክሕቲ ሎሚ እውን ከም ትማሊ “ብትዕቢት ከማይ መን ኣሎ?” ብዝብል ዝግለፅን ንኻልኦት ብሄረሰባት ኣታሒቱ ዝርእን ኣተሓሳስባ እዩ።ብተወሳኺናይ ባዕልኻ ብሄር ፈሊኻ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄር ብፅልኣት ዓይነ ዕሙተይ ክዕምፅን ጎንፂ ክፈጥርን ብዘኽእል ምልዕዓል ዝግለፅ ዝንባለ እዩ። ህልዊ መርኣይታቱ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ቅማንትን ተወለድቲ ትግራይን ዝተፈፀመ ጥቕዓት ከም ኣብነት ምልዓል ይከኣል። እዚ ማሕበረሰብ ልክዕ ከምቲ ካልእ ብሄር ሃገርና ሕገ መንግስታዊ ሕቶ ሒዙ ዝተበገሰን ግቡእ ምላሽ ዝደልን እንትኾን ነዚ ሕቶ ካብ ምጉልእላእ ጀሚሩ ክሳብ ንብሄር ኣምሓራ ፈተና ገይርኻ ምሕሳብ ብተግባር ተራእዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣብ ከይዲ ብሓይሊ ዝተሰነየ ስጉምቲ ብምውሳድ እቲ ሕቶ ጠጠው ንምባል ምምኳሩ ትምክሕተኝነት ክንደይ ዝኣክል ፀረ ዲሞክራሲ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ፀረ ዴሞክራስያውነት ዘመላኽት እዩ። ብፅልኣት ዝተመልኡ ፅሑፋትን መግለፅታትን ብምሃብ ዝተንቀሳቐሰ ኣተሓሳስባ ትምክሕቲ ናይዚ መርኣዪ እዩ።
ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ዶብ ተፀጊዑ ብፍላይ ምስ ጉዳይ ወልቃይት ተተሓሒዙ እቲ ሓደ ኣብ ርእሲ ካልእ መንጎ ዝኣትወሉ ኩነታት እውን ተራእዩ እዩ። ጉዳይ ወልቃይት ኣመልኪቱ ዝልዓል ዝኾነ ይኹን ሕቶ ኣብ ክልል ትግራይ ክሕተት እናተገበኦ ኣብ ዘይምልከተካ ብምእታው ዝተገበረ ምልዕዓል ንሕገ መንግስቲ እውን ዝፃረር እዩ። ኣብ  ልዕሊ ትግራዋይ ዘነፃፀረ ጥቕዓት መበገሲኡ “ኣብዚ ሃገር ልዕልነት ትግራይ ስለዘሎ ንሕና ክንጥቀም ኣይከኣልናን፤ እቲ ስርዓት ልዕልነት ትግራዋይ ዘለዎ ስርዓት እዩ” ዝብል ጭርሖ ኮይኑ እዚ ተግባር ሕዚ እውን ብዝተፈላለየ መንገዲ እንተልዓለዝቕፅል ዘሎ እዩ።እዚ ትኽክል መሲልዎ ዝተደናገረ ህዝቢ ድማ ኣሎ። ልዕልነት ትግራዋይ ከምዘየለ እናፈለጠ ከም ዘሎ ገይሩ ዘለዓዕል ስቪል ሰርቫንት፣ ምሁርን በዓል ሃፍትን እውን ኣሎ። ይኹን እምበር ፌደራላዊ ስርዓት ንኹሉ ብማዕረ ዝረብሕን ዝጥምትን ስርዓት እዩ። ስለዚ ናይ ሓደ ብሄር ልዕልነት ዝቕበል ስርዓትን ሕገ-መንግስትን ኣብዘይብሉ ሃገር ከም መንግስቲ በዚ ጉዳይ ከመይ ገይሩ ክሕመ ይኽእል እንተኢልና መልሱ ፀለመ ምዃኑ ቁልጭ ኢሉ ዝርአ ሓቂ እዩ።
ብድምርልዕልነት ሓደ ብሄር መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ስርዓት ብናይ ህዝብታት ቃልሲ ተሳዒሩ እዩ። ሐዚ ቀንዲ ፈተና እዚ ስርዓት ኮይኑ ዘሎ ግን ኣብ ተሃድሶና ከም ዝረአናዮ ስልጣን ብዘይ ኣግባብ ምጥቃምን ህዝባዊ ውግንና ምሽርሻርን እዩ። ስልጣን መሰረት ናብራንህይወትን ካብ ምግባር ጀሚሩ እቲ ስልጣን ናብራኻ እተመዓራርየሉን ሃፍቲ እተኻዕብተሉን ገይርኻ ምርኣይ ኣሎ። እዚ ከዓ ከም ውድብ ንውሽጡ ገምጊሙ ንኣባላቱን ህዝቡን ግልፂ ዝገበረሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ካብዚ ዝብገስ መፍትሒ ኣንፈታት እውን ኣቐሚጡ ነዚ ኣብ ምፍፃም ይንቀሳቐስ ኣሎ።
ብኣንፃሩ ድማ ሓይልታት ትምክሕቲ እቲ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት መሪሕ ንዝነበረን ዘሎን ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ንምድኻም ኮነ ተባሂሉ ዝፀዓር ዘሎ ኩነታት ይርአ።ይኹን እምበር ኣብዚ ሃገር ማዕርነት ኩሎም ህዝብታት ኣብ ዝተኸበረሉ ዘበን ኮይንኻ ናይ ባዕልኻ መንነት መሰረት ብምግባርካብ ኣንፈት ፀቢብነትን ትምክሕትን እናተልዓልካ ዝናፈስ ወረታት መሰረት ዘይብሉ እዩ። ስለዝኾነ ከም ኣባላት ይኹን ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ዝፍፀሙ ጥቕዓታት ብዝኾነ መንገዲ ክሽፈኑ ዘይግበኦም ተግባራት ፀረ-ዲሞክራሲስለ ዝኾኑ ነዚኦም ኣብምቅላስ ክለዓል ይግባእ።
7. መበገስታት ሓደጋ ምብስባስ ንፀቢብነትን
 ትምክሕትን መስፋሕፍሒ ምኽንያት እዮም።
ፀቢብነትን ትምክሕትን ክጠፍኡ ዝኽእሉ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ካብዚኦም ዝፈልዮ መሰረታዊ ነገር ተፈልዩ ተፈሊጡ ነዚ ኣብ ምቅላስ ኩሉ ብማዕረ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ዘሎ ጉድለት ድማ ወያናይ ዲሞክራሲ ካብ ፅግዕተኛ ኣተሓሳስባ ብፍላይ ካብ ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝፈልዮ ኣተሓሳስባ ተነፂሩ ንፀቢብነትን ትምክሕትን ብዘተኣማምን ብርኪ ኣቃሊዑ ብዝትክእ መልክዑ ዘይምቕራቡን ዘይምቅላሱን እዩ።ዲሞክራስያውንፖለቲካውን ህይወትን ቃልስን ውድብና ተዳኺሙ ስለዝነበረ ፅግዕተኛታት ንዘጋፍሕዎ ትንተናታት ብመሰረት እቲ ወያናይ ዲሞክራሲ መትከል ዘይምቅላዕና ከም ድኽመት ዝውሰድ እዩ። እዚ ብምዃኑ ድማ ንምዕምባብ ፀቢብነትን ትምክሕትን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ውድብና ሓደጋ ምብስባስ እናተጠናኸረ፣ ፀረ-ዲሞክራስን ግዕዝይናን እናተስፋሕፍሑ ስለዝመፁ ነዚ ምችው ኣጋጣሚ ብምጥቃም ሰባት ንባዕልቶም ናብ ገዛኢ ደርቢ እናሸጋገሩ መፂኦም እዮም። ሐዚ እውን መሕብኢ ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝኾነ ኣረኣእያን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ኣብ ምቅላስ ኩሉ ሰብ እንተዘይተረባሪቡ እዚ ኣተሓሳስባ ምስዓር ኣይከኣልን። ስለዝኾነ ግዕዝይናን ፀረ-ዲሞክራስን ቀንዲ ምኽንያት ምብስባስ ውድብና እንትኾኑ እዚኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ፀቢብነትን ትምክሕትን ንኽጠናኸሩ ምኽንያት ስለ ዝኾኑ ክንቃለሶም ይግባእ።
8. ቅድሚ ተሃድሶ፣ ድሕሪ ተሃድሶን ዳግማይ ዓምዩቕ ተሃድሶን
ቅድሚ እቲ ቀዳማይ ተሃድሶ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ግዕዝይና፣ ፀረ-ዲሞክራስን ድርዕቶ ኣረኣእያታትን እናተጠናኸሩ ብምምፅኦም ብድምር ባህሪ ውድብና እናተቐየረ፣ ወያይ ዲሞክራስያዊ ባህሪኡ እናተሸርሸረ፣ ናይ ፅግዕተኛታት ውድብ ናብ ምዃን ዝሰጋገረሉ ዕድል ተፈጢሩ ነይሩ።በዚ እውን ኣብ ውድብና ኣረኣእያ ወያናይ ዴሞክራሲ ብስፍሓት ይጓደል ነይሩ። መስመር ወያናይ ዴሞክራሲ ብምህሳስ ዴሞክራስያዊ ዘይኮኑ ኣረኣእያታት ዘንፀላልይሉ ኩነታት እውን ተራእዩ። ፈላማይ ተሃድሶ ተኸቲልና ን15 ዓመታት ኣብ ዝተጓዓዝናሎም ዓመታት ድማ ቅልጡፍ ልምዓትን ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ክነግስ ክኢሉ እዩ። ቀንዲ ምኽንያቱ ኣብቶም መስመራት ፅርየትን ምርድዳእን ብምፍጣሩ እዩ። ብተመሳሳሊ ቀንዲ ፀላኢና ድኽነት ምዃኑ ኣሚንና ክንረባረብ ብምኽኣልና እዩ።
ስለዝኾነ ቅድሚ 15 ዓመት ዘይነበረ ሓዱሽ መሰረት ልምዓታዊ ፖለቲካዊ ቁጠባ ተሃኒፁ። ብተወሳኺ ነቲ ቀዳማይ መድረኽ ተሃድሶ ተኸቲልና ፀቢብነትን ትምክሕትን ንምቅላስ ኣብ ዝተጓዓዝናሎም 15 ዓመታት ኣብ ሃገርና ልምዓታዊ፣ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ዝተስፋሕፈሕሎም ዓመታት እዮም።
ይኹን እምበር ብምኽንያት ምዝናፍ ወያናይነት ርእዮተ ዓለምን ምድኻም ቃልሲ ውሽጢ ውድብን ዝተሰዓሩ ኣረኣእያታት ዘንሳእርርሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ነዚ እውን በቲ ሓደ  ገፅ መሊኡ ዘይተነቐለ ንኣካብነት ክራይ ዝተመቻቸወ ፖለቲካል ኢኮኖሚ፣ በቲ ኻልእ ገፅ ድማ ኣብ ውሽጥን ደገን ቀስ ብቐስ እናዓበየ ዝመፅአ ምጉዳል ወያናይነትን ምንኣስ ብቕዓት  ርእዮተ ዓለምን ምስ ምድኻም ውሽጠ ቃልሲ ውድብ ተተሓሒዙ ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ ተሃድሶ ዓወት ዘመዝገብናሎም ናይ ጥፍኣት ኣረኣእያታት ከምብሓዱሽ ህይወት ሰሪዖም ዝተስእሉ መንገዲ ተፈጢሩ እዩ።ናይዚ መርኣዪኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ገዚፎም ብምርኣይ ናብ ደም ምፍሳስ ኣብፂሑና እዩ። ካሊእ ተሪፉ ዜጋታት ብሰላም ወፂኦም ዝምለስሉ ውሕስነት ስለ ዘየለህፁፅግዘ ኣዋጅ ክንመሓደር ክኢልና ኢና።
ስለዝኾነስልጣን መንግስቲ ህዝቢ ንምግልጋል ዘይኮነስ መንበሪ እናገበርካ ምኻድ ስለ ዝነበረካብዚ ፀገም ንምውፃእ ናብ ዓምዩቕ ተሃድሶ ኣቲና።  በዚ እውን  ካብ ኣመራርሓ ጀሚሩ ክሳብ ኣባልና ኣተሓሳስባ ትምክሕትን ፀቢብነትን ከም ዝተሸከመ ተራእዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝተፈጠረ ምድኻም ፖለቲካዊ ህይወት ምዃኑ ብምርዳእ፣ ኣብ ወያናይ ዲሞክራሲ ስነ-ሓሳብ ኮይንና ቃልሲ ውሽጢ ውድብና ካብ ምጥንኻር ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ኣይብልናን።
9. ፀቢብነትን ትምክሕትንንምንታይ ንቃለሶም?
ፀቢብነትን ትምክሕትን እንቃለሶም ውድብና ንምሕዳስ፣ ካብ ፅግዕተኛ ምብስባስ ንምድሓን እዩ ምባል እኹል ኣይኮነን። ፀቢብነትን ትምክሕትን ንምንታይ ከም እንዋገኦም ፈሊና ምቕማጡ ኣገዳሲ እዩ። በዚ መንፅር ህወሓት ንፀቢብነት ዝቃለሶ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ተፈታውነት ንምትራፍ ወይ ነቲ ዝተፈጠረ ቅርታ ንምዝሕሓል ኣይኮነን። ፀቢብነት እንዋገአሉ ቀንዲ ምኽንያት ነዚ እንተዘይኣወጊድና ህዝቢ ዝደልዮ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ክነረጋግፅ ስለዘይንኽእል እዩ። ንፀቢብነትን ትምክሕትን ብብቕዓት ክንቃለስ እንኽእል ድማ ኣንፃር ፅግዕተኝነት ብምቅላስ መበገስታት ፅግዕተኝነት ንዝኾኑ ግዕዝይናን ፀረ-ዲሞክራስን ብትረት እንትንቃለስ እዩ።
ፀቢብነትን ትምክሕትን እናተመጋገቡ ዝስፋሕፍሑ እምበር ነንበይኖም ነፃፂልካ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ብፍላይ ድማ ኣብ ግዕዝይናንፀረ-ዲሞክራስን ዝጠሓለ ሓይሊ ካብ ፀቢብነትን ትምክሕትን ነፃ ክኸውን ኣይኽእልን። ሕድሕድና ፀቢብነትን ትምክሕትን እንቃለሰሉ ምኽንያት እምበኣር ወያናይ ዲሞክራሲ ተግባራዊ ብምግባር ነቲ ንሕለቐሉ ኢና እንብሎ ህዝቢ ብሰላም ሰሪሑ ክነብር ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ክላቐቕ፣ ዲሞክራስን ፍትሓዊ ምምሕዳርን ክረክብ ንምግባር እዩ። ስለዚ  ዝኾነ ይኹን እነካይዶ ቃልሲ ካብዚ ኩርናዕ እናተልዓልና ክንሪኦ፣ ክንግምግሞ፣ ክነስፍሖን ትምህርቲ ክንወስደሉን ይግባእ።
10. ፀቢብነትን ትምክሕትን ብኸመይ ንስዕሮም?
ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝሰዓሩ እቶም ኣረኣእያታት ረብሓ ፅግዕተኛታት ዘረጋግፁ ኣተሓሳስባታት ምዃኖም ተፈሊጡ እንትቃልዑ፣ ማሕበራዊ መሰረቶም እንትፈርሱን ግዕዝይናን ፀረ-ዲሞክራስን ንምጥፋእ ምስ ዝግበር ቃልሲ ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ተኣሳሲሩ እንትፍፀምን እዩ።ብተወሳኺ ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝሰዓሩ ንኣኣቶም ዝትክእ ዝፀረየ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ እንትህሉ እዩ። ነዚ ንምፍፃም ድማ ሕድሕድ ኣመራርሓን ኣባልን ውድብ ኣብ ናይ ባዕሉ ዝረኣዩ ሕማማት ፀቢብነትን ትምክሕትን ንምውጋድ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ እዋን ብዕምቆት ምህዳስ ዝረኣናዮ ናይ ምጥርጣርን ስግኣትን ኣተሓሳስባ ገይጋ ምዃኑ እቲ ኣመራርሓን ኣባልን ንባዕሉ ክርኢ ኣለዎ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ኣብ እዋን ተሃድሶ ህዝቢ ዘልዓሎም ሕቶታትን ርኢቶታትን ነቲ ህዝቢ ኣብ ጎድንና ብምስላፍ ሓደ ብሓደ ክፍትሑ ብምግባር እውን እዩ ፀቢብነትን ትምክሕትን እንስዕሮም። በዚ ኣቢልና ነቲ  ኣረኣእያ ጥፍኣት ካብ ሱረ መሰረቱ ብምምሓው፣ ዴሞክራስያዊ መሰላት ህዝቢ ብምኽባር፣ ተሳትፎ ህዝቢ ብምሉእነት ብምርግጋፅ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝዓሰሎ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምህናፅ የድሊ። እዚ ንምህናፅ ድማ ካብ ፀረ ደሞክራሲ፣ግዕዝይናንብልሽው ኣሰራርሓን ዝፀረየ፤ ንህዝቢ ዝነብርኣመራርሓ ምህናፅ የድሊ። ብተወሳኺ ነዚ ሕመቕ ዘይፃወር ሕብረተሰብ ክህነፅ ዘኽእል ብቑዕ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ምውናን እውን ግድን እዩ።
ብድምር ኣብ 2009 ዓ.ም ዘካየድናዮ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቕናቕና ተጀሚሩ እምበር ኣይተደወአን። በዚ መንፅር ነቶም ልዕል ኢልና ዝረአናዮም ሓደጋ ትምክሕትን ፀቢብነትን ብዕምቆት ተረዲእና ኣብ መዓልታዊ ተግባር መሰረት ዝገበረ ዘየቋርፅ ቃልሲ ከመይ ነካይድ ኣለና? ኣብ ከባቢና ንኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብፍላይ ከባብያውነት፣ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር፣ ፅግዕተኛ ኣተሓሳስባ፣ ፀቢብነት ወዘተ ብድምር ኣብ እዋን ተሃድሶ “ሓደጋ ስርዓትና እዮም” ኢልና ዘነፀርናዮም ነጥብታት ኣብ እንታይ ብርኪ ኣለዉ? ዝብሉ ነጥብታትክረኣዩን ክግምገሙን ኣለዎም።ካብዚ እናተበገስካ ኣብ ክሊ ምድግጋፍን ምትእርራምን ዘድሃበ ምትህንናፅ ክግበር ኣለዎ።
ብተክለሃይማኖት ገብረመድህን 
ካብ ባህር ዳር

No comments:

Post a Comment

TEKLEHAIMANOT JOCO

በወላይታ ሶዶ ዩኒቨርስቲ የተነሳ የእሳት ቃጠሎ በንብረት ላይ ጉዳት አደረሰ

ወላይታ ሶዶ ዩኒቨርስቲ ከኤሌክትሪክ ኃይል ጋር ተያይዞ ዛሬ በተነሳ የእሳት ቃጠሎ በንብረት ላይ ጉዳት መድረሱን ዩኒቨርስቲው አስታወቀ። በቃጠሎው በሰው ላይ የደረሰ ጉዳት እንደሌለም ተመልክቷል። የዩኒቨርስቲው ...